ሓበሬታ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ

Sheffield Eritrean Community Organisation (SECO)

SADACCA Building, 48 Wicker, Sheffield S2 5AE

Tel: 01142763300 Mobile 07946400958

Email: secocommunity@yahoo.co.uk

 

ሓበሬታ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ

 

ከም ዝፍለጥ ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2011 ብሰንኪ ሽርሒታትን ውዲታትን ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ንግዚኡ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሕጂ ግን ብሰንኪ ሓያል ጻዕሪ ኣባላት ምምሕዳር ሽማግለ ኮሚኒቲ ካብ ዓርቢ 22/07/2011 ጀሚሩ ተኸፊቱ፣ ግቡእ ስርሓቱ እናካየደ ልሙድ ኣገልግሎታት ንተቐማጦ ሸፊልድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒቲ ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ነዘኻኽር።

 

ኣባላት ምምሕዳር ሽማግለ ኮሚኒቲ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ከተማ ሸፊልድ (SECO) በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ማዕረ ማዕሬና ስለ ሓቅን ፍትሕን ክትብሉ ምሳና ደው ዝበልኩምን ዝደኸምኩምን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ፈተውቲ ኤርትራን ምስጋናና ነቕርብ።

 

ሕጂ ‘ውን ቃልስና ኣንጻር ምትንዃላትን ውዲታትን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎን፣ ደጊምና መኸተና ቀጻሊ ምዃኑን ነረጋግጽ!

 

ምምሕዳር ሽማግለ

ኮሚኒቲ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ሸፊልድ (SECO)

 

02/08/2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5514

Posted by on Aug 3 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net