ስለ መሳጊድ, ምእንቲ ቤት ረቢ

ክቡር ሓው ክብርቲ ሓብቲ,ኣቐዲምና ዝኸበረን ዝዓዘዘን ኣስላማዉን ሕዉነታዉን ሰላምታ ናይ ሰብ ጀና ኣብ ጀና ነቕርበልኩም፡ ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ፡፡

 

መብዝሕትና ከም ንዝክሮ ቁሩብ ዓመታት ይገብር ዘሕዝንን ዘሰምብድን ወሬ ብዛዕባ ምፍራስ መሳጊድ ኣብታ ንፈትዋ ሃገርና (ኤርትራ) ሰሚዕና ኔርና፡፡እዚ ፍጻሜ’ዚ ንኹሉኹም ሰብ ሓሞት ዓቢ ስምብራት ከምዚገደፈ ኣይንጣራጠርን፡፡ ይኹን’ምበር እቶም ደቂ ዓዲ ምስ ቤት ጽሕፈት ኣውቃፍ ብምዉህሃድ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ብጉቡእ ምልክቶኦም ኣቕረቡ፡፡ እቲ ዝቐረበ ጠለብ  ድማ ዑዉት ኮነ፡፡ እቲ ጉዳይ ዕላዊ ብቕዓቱ ምስ ተራጋገጼ ከም ኣምሰያ ሓዱሽ መሬት ንመሳጊድ ዝኸውን ምስ ሙሉእ ፍቓድ መስሪሒ ተዋህበ,(ኣልሓምዱሊላህ)፡፡ እቲ መሳጊድ ዓበይቲ ስለ ዝኾነ ኣዚዩ ብዙሕ ገንዘብውን ስለ ዝጠልብ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ድሕሪ ምስራሕ እቲ ብሮጀክቲ ምስ ሙሉእ ትሕዝቱኡ ናብ ወጻኢ ተላእከ፡፡ ከም ዉጺኢቱ ድማ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ሺማግለ መሳጊድ ቆማ፡፡ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ሓንቲ ሽማግለ መሳጊድ ተመስረተት፡፡ እዛ ሽማግለ ካብ ትቖዉም ኣትሒዛ ንዚተዋህባ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ንሙውዓል ዕማማ ተሳላስል ኣላ፡፡ ሓገዛት ካብ ተራ ሰብ ምእካብ ጥራይ ዘይኮነስ ዓበይቲ መወልቲ ንምርካብ ኣብ ሃሰስ ምባል ትርከብ፡፡ ተስፋ ዝህብ ሰናይ ወሬውን ኣሎ, እንተኾን ግን ኣብዚ ይኹን ኣብቲ ሓዱሽ ምዕባሌ ተረኺቡ ስለ ዘሎ ብኹሉ ሸነኻቱ ንምዝታይ ንኣኼባ ብኽብሪ ንዕድመኩም፡፡ጸብጻብ ገንዘብውን ኣብቲ ኣኼባ ከነቕርብ ምኻና ንሕብረኩም፡፡

 

ሰንበት ዕለት 23/10/2011 ካብ ሰዓት 2 ክሳብ 6 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፡ መስጊድ ነጋሺ  (EMCA) 283-291 Wandsworth Road London SW8  2DA

ሞግዓዚያ ኣውቶቡሳት  77   *87*   196

መስመር ባቡር፡ ፕክቶሪያ  VICTORIA LINE  VAUXHALL STN.

ንሓበሬታ፡ 07958323550      07878659826

ክቡር ሓው ክብርቲ ሓብቲ ምእንቲ በይቱ ኣላህ ብድሓን ምጽኡ

 

ሺማግለ መሳጊድ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6028

Posted by on Oct 19 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net