ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት፡ ማሕበር ግበረ-ሰናይ ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጨቋኒ ሰርዓት ህግደፍ ተገላጊሉ 2012 ዓመተ ሰላምን ዓመተ ራህዋን ክኸውን ተስፋ ንገብር።

 

ዓመተ-ምህረት 2011፡ እቲ ንሕልና ዘለዎ ህዝቢ ዘሰንበደን ዘሕዘንን፡ መንእሰያትና ብህይወቶም ኣካላቶም እናተሸጠ ኣብ ፈቐዶ ምድረ-በዳ ሲናይ ብጃምላ ክቅበሩ ሪኢናን ።  ሰላምን ቅሳነትን ንምርካብ ካብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ገዲፎም፡ ነዚ ሽግራት እዚ ከጋጥሞም ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ተጋላጊልና፡ ዓመተ-ምህረት 2012 ዓመተ ሰላም ኮይኑ ኩሉ ዓይነት ስቅያት ህዝብና ኣብቂዑ፡ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ኣብ ህንጻ ሃገር ዝዋፈርሉ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታትና ናብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ዝምለስሉ ዓመት ክኸውን ምንዮታትና ንገልጽ።

 

 

ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

 

www.kebirerelief.org

kebireuk@gmail.com.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6422

Posted by on Jan 1 2012 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net