ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣቦ መንበራት ሾሞንተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለዎም ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ክሕልፎ ዝጸንሔን ዘሎን ሓሰረ መከራን ንሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋን ብዕምቆት ተመያይጦም፡፡ በዚመሰረት እዚኦም ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ 04 ግንቦት 2010 ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጂን ሓበራዊ ወተሃደራዊ መሪሕነትን ወተሃደራዊ ዓቅሚታቶም ኣወሃሃዲም ክሰርሑ ናይ ሓባር ስምምዕ ከቲሞም፡፡

ዝርዝር ከመይነት ኣፈጻጽማ ናይዚ ዕማማት እዚ ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ፍጻሜ ክሰጋገር ብቀጥታ ንዝምልከቶም ወተሃደራዊ ኣካላት ኣድላይ መምርሒታት ተመሓላሊፉ፡፡

ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝበጽሑ ውድባት፡-

1. ዲሞ/ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ                        2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ                            4. ህዝባዊ ዲሞክራሰያዊ ግንባር ኤርትራ

5. እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን          6. ዲሞ/ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ

ልምዓትን

7. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃሰ ኤርትራ  8. ህዝባዊ ጉባኤ ኤርትራ

4 ግንቦት 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=704

Posted by on May 6 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net