News

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣቦ መንበራት ሾሞንተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለዎም ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ክሕልፎ ዝጸንሔን ዘሎን ሓሰረ መከራን ንሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋን ብዕምቆት ተመያይጦም፡፡ በዚመሰረት እዚኦም ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ 04 ግንቦት 2010 ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጂን ሓበራዊ ወተሃደራዊ መሪሕነትን ወተሃደራዊ ዓቅሚታቶም ኣወሃሃዲም ክሰርሑ ናይ ሓባር ስምምዕ ከቲሞም፡፡

ዝርዝር ከመይነት ኣፈጻጽማ ናይዚ ዕማማት እዚ ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ፍጻሜ ክሰጋገር ብቀጥታ ንዝምልከቶም ወተሃደራዊ ኣካላት ኣድላይ መምርሒታት ተመሓላሊፉ፡፡

ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝበጽሑ ውድባት፡-

1. ዲሞ/ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ                        2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ                            4. ህዝባዊ ዲሞክራሰያዊ ግንባር ኤርትራ

5. እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን          6. ዲሞ/ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ

ልምዓትን

7. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃሰ ኤርትራ  8. ህዝባዊ ጉባኤ ኤርትራ

4 ግንቦት 2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top