ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ ናይ ኢፍጣር ምሸት ኣዳልዩ

ብጅምዓት ዕለት 20/7/2012 ኣብ ባሕቲ ሮሞዳን ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ጨንፈር ርያድ ኢፍጣር ጀማዒ ብምድላው ፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ዝተረኸብሉ ናይ ሮሞዳን ምሸት ኣካይዱ። እቲ መደብ ድሕሪ ሰላት ዓስሪ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ መጀመርያ ኣካየድቲ ናይ’ቲ መደብ ንዕዱማት እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ መደብ ድሕሪ ምኽፋቶም ፡ ቐጺሉ ኣቦ መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣቶ ኑር እድሪስ ንናይ እውሮፓ ዑደቱ ኣመልኪቱ ንዕዱማት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ ። ንሱ ኣብ’ቲ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ንኤውሮፓ ዝተገብረ ዑደት ብኹሉ መለክዒታቱ ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩለን ጨናፍራት ናይ ሰልፊ ኣብ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ንምስታፍ ኩሉ ምድላዋተን ወዲኤን ከምዝርከባ ሓቢሩ ። ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢና ኣመልኪቱ ውን ፡ ብሰንኪ’ቲ ፖለቲካውያን ሓይሊታትን ዝገብሮኦ ዘለዋ ምንቅስቓሳትን  ፡  በቲ ኣብ ከባቢና ዝርከባ መንግስታት ዘጓንፍ ዘሎ ናይ ለውጢ ኩነታትን ፡በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢናን መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝወርድ ዘሉ  መከራን ተደሪኹ ፡  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጉዳዩ፡ ጉዳይ ሃገሩ
ልዑል እዋናዊ ኣፍልጦ ሃልዩዋ ናይ ለውጢ ሓላፍነት ኣብ ምስካም ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ኣቶ ኑር ርክቡ ምስ ናይ ኤውሮፓ ሰበስልጣናት ኣመልኪቱ ‘ውን ፡ እቲ ርክብ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቀንዲ ዛዕባ ዝገበረ ኮይኑ ፡ ንምሕያሉን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ከምዝእከብ ንምግባርን፡ ኩለን ናይ ኤርትራ ፖለቲክውያን ሓይሊታት ኣብ ትሕቲኡ ኮይነን ይሰርሓ ምህላወን ነቶም ሰበስልጣናት ከብርሃሎም ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

እቲ መደብ እናተኻየደ እንከሎ ናይ ኢፍጣርን  ሰላትን ግዜ ስለ ዝኣኸለ እቲ መደብ ኣቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ኣቶ ኑር ዝተረፈ ናይ ኤውሮፓ ዑደቱ ዘብርሀ መደረ ድሕሪ ምሃቡ፡  ካብ ዕዱማት ዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ ። ዕዱማት ብወገኖም በቲ ዝተገብረ ዑደት ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ስለቲ ዝተወሃቦም መርሂ ንኣቦ መንበር ብምምስጋን፡ ነቲ ናይ ኢፍጣር ምሸት ዘዳለወት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ውን  ንኢዶም።

ኣብ ሞንጎ’ቲ ኣኼባ ኣቶ ሙሳ በሺር ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ጨንፈር ዓዲንግሊዝ ተለፎን ብምድዋል ፡ ን ኣኼበኛታት እንኳዕ ናብ ወርሒ ሮሞዳን ብሓባር ኣብጻሓና ብምባል ፡ ነቲ ብጨንፈር ርያድ ዝተገብረ ናይ ኢፍጣር ምሸት ኣድኒቑ ፡ እቲ ናይ ኢፍጣር ምሸት ድማ መርኣያ ብቑዕነት ናይ ጨንፈር ርያድ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ጉዕዞ ኣቦ መንበር ናብ ኤውሮፓ ፍርያም ክንዲ ዝነበረ ፡ ብደረጃ ሰልፊ ክረኤይ እንከሎ ኣብ ኣባላት ጽቡቕ መንፈስ ብምዝራእ ብኒሕ ክንቀሳቀሱ ገይሩዎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ  ብዘይፈልጥ ቁጽሪ ሓደስቲ ኣባላት ንኽንምዝግብ ኣብቂዑና እዩ ዝበለ ኣቶ ሙሳ እቲ ጉዕዞ ናይ ኣቦ መንበር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣውንታዊ ስምብራት ዝገደፈ እይ ነይሩ ኢሉ።

በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቅሰ ኣገባብ ዘምሰየ ኣኼባ ፡ ድሕሪ ሰላት ተራዊሕ ውን  ቐጺሉ ነይሩ ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

20/7/2012      

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7423

Posted by on Jul 27 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net