ወፍሪ ምቅላዕ ስርዓት ህግደፍ ብማዕከናት ዓለም

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሞኒተሪን ግሩብ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልያን ዓመታዊ ጸብጻቡ ብ19 ሓምለ ኣቕሪቡ። ኣብ ጸብጻቡ፡ መንስግስቲ ኤርትራ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብሓይሊ እናገደደ 2% ዘይሕጋዊ ቀረጽ ከምዘኽፍል፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ከም ኣቕሓ እናነገደ ገንዘብ ከምዝግሕጥ፣ ንውሳነ ው.ሕ.ሃ. ብምጥሓስ ኣብ ናይ ኣጽዋር ኮንትሮባንድ ንግድ ከምዝነጥፍ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ህዝቢ ዝመንዝዖ ገንዘብ ካብዝን ናብትን ከምዘላኽዕ፣ ንዝተፈላለዩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ግብረ-ሽበራውያን ሓይልታት እናዓለመን እናዕጠቐን ናይ ዞባና ርግኣት ከምዝዘርግ፣ ወዘተ ዝገልጽ ጽጹይ መጽናዕቲ ኣቕሪቡ።

ነዚ ረሳሕ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝሰፍሐ ንምቅልዑ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ከም ዕማም ሒዙ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ንምቅላሕ ይንቀሳቐስ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ካናዳ እትሕተም ሃገራዊት ዓባይ ጋዜጣ ናሽናል ፖስት ብ21 ሓምለን 24 ሓምለን ንእከይ ተግባራት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ቶረንቶ ዘጋልጽ ክልተ ጽሑፍ ኣቕሪባ፣ ጋዜጣ ቶረንቶ ስታር ኣብ ናይ 25 ሓምለ ሕታማ፡ ቆንስል ኤርትራ ሕግታት ካናዳ ጥሒሱ ንተኤርትራውያን ካናዳውያን ከምዘበሳብስ ኣጋሊጻ። ኣብ ካልኦት ከተማታትን ሃገርን እቲ ምቅላሕ ብዝሰፍሐ ንምቕጻሉ’ውን ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ።

እዚ ክፍኣት ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዐ ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩብ ተዋሒጡ ምእንቲ ከይተርፍ፡ በዚ ኣጋጣሚ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከከባቢኦም ዘሎ ናይ መድያ ማዕከናት እናኳሕኩሑ፡ ነዚ ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩብ ከም ሰነድ እናርኣዩ፡ ጉድ ስርዓት ህግደፍ ዝቃልዓሉ ኣጋጣሚ ክፈጥሩ ጻውዒት የቕርብ።

ክትክተልዎ ዝግባእ ኣገባባት፡-

1. ኣብ ከተማኹም ዝርከቡ 2% ክኸፍሉ ዝተገደዱ ሰለስተ ሰባት ቀርቡ።

2. ብሞኒተሪን ግሩብ ዝወጽአ ሰነድ (http://www.un.org/ga/search/view_doc.asp?symbol=S/2011/433)
ኣብ ወረቐት ኣሕቲምኩም ቀርቡ

3. ንዘለኹማ ከተማ ወይ ሃገር ዘገልግላ መራኸቢ ብዙሓን (ጋዜጣታት፡ ማዕከናት ሬድዮን ተለቪዥንን) ብምርኻብ፡ ንኣሳናዳእቲ ቦርድ ሰነዳትኩም ብምርኣይ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርደኩም ዘሎ ኣደራዕ ኣካፍልዎም። ቆላሕታ ናይ ዘለኹሞ መንግስቲ ምእንቲ ክረክብ ጉዳይኩም ኣብ ዜና ክቃላሕ ሕተትዎም።

4. ዝሃብኩሞም ሓበሬታ ተሓቲሙ ክሳብ ዝወጽእ ብቀጻሊ እናደወልኩም ተኸታተልዎም።

5. ሓበሬታኹም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምስተቓልሐ፡ ኣብቲ ናይ ርእይቶ ቦታ፡ ሓሳብኩም ተቐላጢፍኩም ኣፍስሱ።

 

ብከምዚ መንገዲ ቆንስላትን ኢምባሲታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጊ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት እናጥሓሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ዘውርዶ ዘሎ ረዚን በደላት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ሰፊሕ ቆላሕታ ከምዝረክብ ክንገብር እንተኪእልና፡ ቆንሱላት ስርዓት ህግደፍ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክዕጸዋ ክንርኢ ኢና።

ስለዚ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብምምዝማዝ፡ እቲ ዜና ከይማህመነ ከሎ ቆላሕታ ናይ ንነብረሉ ሃገርን ህዝብን ክንረክብ ንንቀሳቐስ። ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ ብስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፍሪ ክትጽንበርዎ ህዝባዊ ጻውዒት ነቕርብ።

 

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7431

Posted by on Jul 27 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net