ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብማዕከናት ዜና ዓለም ንምቅላዕ ወፍሪ ጀሚሩ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሞኒተሪን ግሩብ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ዝቐረበ ዓመታዊ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር፡ ረሳሕ ተግባራት ህግደፍ ብማዕከናት ዜና ንምቅላዕ ፍሉይ ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ማሕበር ሓቢሩ።

ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩብ ው.ሕ.ሃ.፡ መንስግስቲ ኤርትራ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብሓይሊ እናገደደ 2% ዘይሕጋዊ ቀረጽ ከምዘኽፍል፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ከም ኣቕሓ እናነገደ ገንዘብ ከምዝግሕጥ፣ ንውሳነ ው.ሕ.ሃ. ብምጥሓስ ኣብ ናይ ኣጽዋር ኮንትሮባንድ ንግድ ከምዝነጥፍ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ህዝቢ ዝመንዝዖ ገንዘብ ካብዝን ናብትን ከምዘላኽዕ፣ ንዝተፈላለዩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ግብረ-ሽበራውያን ሓይልታት እናዓለመን እናዕጠቐን ናይ ዞባና ርግኣት ከምዝዘርግ፣ ልዕሊ 400 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ብ19 ሓምለ ኣቕሪቡ።

ነዚ ጽጹይ ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩብ ምርኩስ ብምግባር ከኣ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ድሮ ኣብ ካናዳ ኣብ ዓበይቲ ጋዜጣታትን ማዕከናት ሬድዮ ናይታ ሃገርን ሰፊሕ ጠመተ ረኺቡ ብተኸታታሊ ከምዝጻሓፈሉን ዝዝረበሉን ብምግባር ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ቆንስል ኤርትራ ዕርቃኑ ኣውጺኦሞ ኣለዉ።

ኣነዋሪ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ዓለም ኣዳቒቑ ምእንቲ ክፈልጦ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከከባቢኦም ዘሎ ናይ መድያ ማዕከናት እናኳሕኩሑ፡ ነዚ ጸብጻብ ሞኒተሪን ግሩብ ከም ሰነድ እናርኣዩን ናቶም ውልቃዊ ተሞኩሮ እናገለጹን፡ ጉድ ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕ ሰሚሮም ክሰርሑ ህዝባዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7434

Posted by on Jul 27 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net