መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምኽኒያት መስዋእቲ መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር

ሎሚ ንግሆ 21 ነሓሰ 2012 ቴሌቭጅንን ሬድዮን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ ንግሆ መደባት ፈነወአን ዘቕረባኦ መግለጺ መስዋእቲ ክቡር መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰማዕና፡ ዝተሰማዓና ከቢድ ሓዘን ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንገልጽ።

 

ስዉእ መልስ ዜናዊ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ተቓለስቲ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓዳስ ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ንምህናጽን ምምዕባልን ካብ ዝወለድዎምን ዘፍረይዎምን ዝናብይዎምን ቅኑዓት ተጋደልትን መራሕትን ሓደ ኢዩ ኔሩ። ስለዝኾነ ድማ ሃገራዊ ስልጣንን ሃብትን ብፍትሓዊ ኣገባብ ዘመቓርሕን፡ ማዕርነት ዜጋታት ዘረጋግጽን፡ ፍትሒ ዘንግስን፡ ሃይማኖታዊ ማዕርነት ዘውሕስን፡ ሰረት ምዕሩይ ሃገራዊ ልምዓት ዘንጽፍን፡ ዝኾነ ዓይነት ኣድልዎ ዝውግድን፡ ኣብ ብዝሐ ሰልዊ ዘትከለ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ካብ ንእስነቱ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብዘይዕርፍቲ ተጋድሉን መርሑን’ዩ።

 

ስዉእ መለስ ዜናዊ ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ፡ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብዘይካ ድኽነትን ድንቁርናን ድሕረትን መሰረታዊ ጸላኢ ከም ዘይብሎም ብምእማን፡ ኣንጻሩ ኣበርትዑ ዘይሕለል ቃልሲ መሪሑን ጥጡሕ ባይታ ዲሞክራስን ልምዓትን መድምዱ’ዩ። ብሄራውን ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነት እትቕበል ሓዳስ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ድልዱል መሰረት ኣንብሩ’ዩ።
ከም ውጽኢቱ ካኣ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 21 ዓመታት ብቑዕ ኣመራርሓኡ ኣብ ዓውዲታት ምክፍፋል ስልጣንን ሃብትን፡ ዲሞክራስን፡ ልምዓትን፡ ሕድሕድ ምክብባርን ሰፊሕ መሰረታዊ ለውጢ ኣመዝጊባ’ያ። ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን’ውን ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ክብርኽ ኮይኑ’ዩ።

 

ስዉእ መለሰ ብሃገርን ዓለምን ደረጃ ሰፊሕ ተቐባልነትን ረዝን ክብርን ዝረኸበ ብሱል መራሒ ኔሩ። ፍልልይ ዝጻወርን፡ ርእይቶ ካልእ ዘኸብርን፡ ባህሊ ዘተን ጥበቡን ዝመለኸ መራሒ ብምንባሩ ብምንባሩ፡ እኮላይ ብተቓወምቱ ክብረትን ተፈታውነትን ዝረኸበ መራሒ ኔሩ።

 

ስዉእ መልስ ዜናዊ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእታውን ሕጋውን ፍትሓዊ ሕቶ ምዃኑ ኣበክሩ ብምእማንን፡ ነዚ ፍትሓዊ ሕቶ’ዚ ዘይኣምን ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ገዛኢ ስርዓት ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ከም ዘይሰፍን ብምርዳእን፡ ብስንኪ ፖለቲካዊ ሕልኽኻት ግርጭታት ውድባት ኤርትራ ኣብ ተዓዋትነት ህዝቢ ኤርትራ እንከይተጠራጠረን፡ ኣብ ጎኒ ናጽነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ተሰልፉ ክምህ ከይበለ ተቓልሱን ንህዝቢታት ኢትዮጵያ ብብቕዓት ኣቃልሱን መሪሑን’ዩ።

 

ጽባሕ ምውዳቕ ደርጊ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓምለ 1991 ኣብ ዝተጋብአ ኮንፈረንስ ዲሞክራስን ሰላምን፡ ሕቶ ኤርትራ ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ንምፍታሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓራ ሕርያኡ ድልየቱ ንምውሳን፡ ውሳኔ ረፈረንዱም ንምውሳን መራሒ ግደ ተጻዊቱ። ኣብ ሞንጎ ክልቴኡ ሃገራት ኢርትራን ኢትዮጵያን ኢምብራጦር ሃይለ ስላሴ ብሓይሊ ዝኣሰሮ መግዛእታዊ ዝምድና ዘፍርስ ኣብ እስቱድየም ኣስመራ ብግንቦት 1993፡  ኢትዮጵያ ሓራ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ብምቕባልን ምኽባርን፡ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ምድጋፋ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብዕሊ ኣዊጁ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣዋጅን መርገጽን’ዚ ንሓዋሩ ዘይሃስስ ነባሪ ሓያል ድምጺ ኮይኑ ዝነብር’ዩ።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንመስዋእቲ መልስ  ዜናዊ ከም ከቢድ ክሳራ ብምውሳድ፡ ብሓቂ ከም ኣሙን ፈታውን ዓርክን ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ምስኣን’ዩ ዝቖጽሮ።

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንመላእ ቤተ ሰቡን፡ መቓለስቱን፡ ፈተውቱን ጽንዓት ክረኽቡ ይምሕጸን።

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

21 ነሓሰ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7571

Posted by on Aug 22 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net