ብምኽንያት መስዋእቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝወጸ መግለጺ ሓዘን፡

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ቀዳማይ ሚኒስትርን ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ኣቦ-መንበርን ዝነበሩ ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ናይ መስዋእቶም ዜና ነሓሰ 21/2012 ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።

ክቡር አቶ መለስ ዜናዊ፡ ካብ ግዜ ንእስነቶም ጀሚሮም ተቓሊሶም ዘቃለሱ፡ ካብ ተጋዳላይነት ጀሚሮም ክሳብ ናብ ዝለዓለ ህዝባዊ መሪሕነት ዝበጽሑ ወዲ-ህዝቢ ምንባሮም፡ ኣብ ታሪኽ ክዝከሩ ክነብሩ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብዞም ዝሓለፉ 21 ዓመታት ኣብ ኩሉ መዳያት መሪሕ ግደ ዝተጻወቱን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ከባብያዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ኮምኡውን ብዓለም ደረጃ ንሰላም፡ ንደሞክራሲ፡ ንፍትሒ፡ ንሰናይ ምሕደራ፡ ንማዕርነት ህዝብታት፡ ንሓባራዊ ረብሓ፡ ንጽቡቕ ጉርብትናን ዝነበሮም ጽኑዕ ራኢን መትከልን ኣብ ታሪኽ ክዝከር ክነብር’ዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብመስዋእቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸ፡ ንቤተሰብ ስዉእ፡ ንመላእ ኣባላት ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባርን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

 

ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን

21 ነሓሰ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7575

Posted by on Aug 22 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net