ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ንሓደ መስከረም ምስ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ብምዃን ጸምቢልዎ

“ኩልና ደቂ ዓዋተ ኢና” አብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ንገዳይም ተቓለስቲ ሓርበኛታት ዘዳለዎ ናይ ድራር ምሸት ዓርቢ 31 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብድምቀት ተኸቢሩ። እቲ ብዝኽረ ሰማእታት ዝጀመረ መደብ፡ ብናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም መልእኽቲ ካብ አባል ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ብጻይ አሮን ሃይለ እዩ ተኸፊቱ። ብጻይ አሮን ሃይለ አብ መግለጺኡ ንጅግንነትን ተወፋይነትን ገዳይም ተቓለስቲ ድሕሪ ምምጓስ እዚ መንእሰይ ወለዶ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ መቐጸልታ ናይቲ ንሳቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ዘካየድዎ ቃልሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀጺሉ ብጻይ አሮን እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ድራር ዓቕሚ ብዘፍቀዶ ንአኽብሮቶም ዝተዳለወ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር አብ እነካይዶ ቀጻሊ ቃልሲ፡ አብ ሞንጎ እዚ ሓድሽ ወለዶን ገዳይም ተቓለስትን ስጡምን ልዙብን ዝምድናን አብ ምፍጣር ዝህልዎ ተራ አብሪሁ። አብ መዛዘሚ ብጻይ አሮን አብዚ አንጻር ህግደፍ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ሕጅ’ውን ከም ትማሊ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንኽንምርሽ ተላብዩ።

አብ ዝቐጸለ መደብ ወኪል ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ አቶ ገብሪሂወት (ዓሸራ) አባል ሰ.ዲ.ህ.ኤ አቶ አስገዶም (ወዲ ባሻይ) ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን ሳልሕን ገዲም ተጋዳላይ ኢሳቕ ይሕደጎ በብተራ መሃርን መሳጥን መደረታት አስሚዖም። እዞም ገዳይም ተቓለስቲ ነቲ ዝሃብኩምና ክብሪ ብሓደ
ድምጺ ክብረት ይሃብኩም ብምባል አመስጊኖም። ደጊም ቀሲንና ኢና ንዓኹም ሒዝና ድማ ክብሉ ተሰሚዖም። እተን ኩሉ ጊዜ አብ ጎኒ ዉጽዕ ህዝበን ኮይነን ዝቃለሳ አሓት ፋጥና ሳልሕ፡ አቲጋ ዓረፋን ተጋዳሊት ንግስቲ ጎይትኦምን ድማ ነቲ በዓል ንምምዕራግ ንዝገበርኦ አስተዋጽኦ ክምስገና ይግባእ።

ቤይ-ኤርያ እቲ ቀደም ናይ ህግደፍ ፍሉጥ ደጀን ዝነበረ አብዚ ሕጂ እዋን ሳላ ሓያል መኸተ መንሃርያ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራውያን ኮይኑ ንረኽቦ። ብዘይምግናን ኦክላንድ ቤይ ኤርያ ኤርትራዊ አፉ መሊኡ ዝዛረበላ ደገፍቲ ህግደፍ አብ ቃልዕ ዘይኮነስ አብ ውሻጠ ኮይኖም ዘሕሸኽሹኽሉ
ከባቢ እዩ። አብ መንጎ መንእሰያትን ገዳይም ተቓለስትን ቤይ-ኤርያ ዘሎ ምክብባርን ምትሕብባርን ብዘይ ምግናን ንናይ ህግደፍ ዓንዲ ሕቖ ዝሰበረ ሚስጥር እዩ ክበሃል ይከአል።

አብ መዛዘሚ አባላት ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ነታ ተዳልያ ዝነበረት ሽግ ሓርነት ካብቶም ገዳይም ተቓለስቲ ብኽብሪ ተቐቢሎማ። ስጋብ ህግደፍ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ዝእለ ክቃለሱ ምዃኖም አባላት ስ.ኤ.መ.ለ-በይ ኤርያ አብ ቅድሚ እቶም ገዳይም ተቓለስቲ ቃል አትዮም።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ             

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7656

Posted by on Sep 2 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net