ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ብሪጣንያን ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን: ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ እስራኤል ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም፡ ፡

ስምረት ኤርትራውያን መንሰያት ንለውጢ-ብሪጣንያ (ስ.ኤ.መ.ለ.-ብርጣንያ) ዘወሃሃዶ፡ ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰላት  ኤርትራ (ዜ.ሰ.መ.ኤ) ዝተሓባበርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ዓርቢ 31 ነሓሰ ካብ ሰዓት 8፡30 ክሳብ 11፡30 ናይ ንግሆ  ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ እስራኤል ሎንደን አካይዶም።
እዚ ብዘይካ ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝተገብረ ሰላማዊ  ሰልፊ፡ ኣብ እስራኤል ውን ብተመሳሳሊ አብ ሓደ ሰዓትን መዓልትን ብኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ፊት ቤት ማእሰርቲ  ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ኢዩ። ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ከተማ ወጻኢ ስለዝርከብ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን  ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝሳተፉ ሰልፈኛታት ብመካይኖም ከጓዕዝዎም አቐዲሞም ቅሩብነቶም ገሊጾም ምንባሮም  ይዝከር።ስ.ኤ.መ.ለ. ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክውድብ ዝተደረኸሉ ምኽንያት ነቲ ብኤርትራውያን መንእሰያት እስራኤል ኣብ  ሰነ ዝተገብረ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ጻውዒት ምርኩስ ብምግባር’ዩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኢሊ ኢሻይ ብ16 ነሓሰ 2012 ብዛዕባ እሱራት ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ “ክሳብ ዘባርሮም፡ ህይወቶም  ንምስቓይ ክርግጦም’የ” ኢሉ ኔሩ። እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ጽልኢ ዝጽሕትር ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቑባ  ኤርትራውያን
ስደተኛታት እናተኻየደ እንከሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ንዘይተወሰነ ግዜ ምእሳር
ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝብል መደብ ኣቃሊሑ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ዓለም ዝዓበየ
ቤት ማእሰርቲ ኣብ እስራኤል ክሃንጽ ይሕልን ኣሎ። ብመሰረት’ዚ ‘ጸረ-ስልኳ ኣክት’ ዝብል ሓድሽ
ሕጊ፡ ሓተትቲ ዑቑባ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ክእሰሩ ይኽእሉ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ከም ፈራሚ ዋዕላ ዕቑበኛታት 1951 ከምኡ ውን ፕሮቶኮል 1967፡ ነዞም
ዝስዕብ ብቕጽበት ከተግብር ኣትሪሮም ጸዊዖም።
• ሓደ ርትዓዊ መስርሕ ንጉዳይ ስደተኛታት ክግምግም ዝኽእል ኣገባብ ብምውጻእ፡ ነፍስ-ወከፍ
ውልቀ-ሰብ ዑቑባ ክሓትት ክፍቀደሉን ውሕስነት ክወሃቦን፣ ኣገባብ ኣሰራርሓ መንግስቲ
እስራኤል ምስ ደረጃ ዲሞክራስያውያን ምዕራባውያን ሃገራት ክማዓራረ።
• ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽልኢ ምጽሕታር፡ ጎነጽን ክትጥረዙ ኢኹም እናበልካ
ዝግበር ምፍርራሕ ጠጠው ክብል።
ነዚ ቅዱስ ተግባር መልእኽቱ ብግቡእ ንምሕላፍ ኩሉ ወጽዓ ናይ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ
ኤርትራውያን ስደተኛታት ክቃለል ዝደሊ ክጽንበሮ ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ብሪጣንያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7660

Posted by on Sep 3 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net