ብምኽነያት ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ/ መለስ ዜናዊ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ኣብ ቤት መንግስቲ ብምብጻሕ ሓዘኖም ገሊጾም፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብምኽነያት ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ/ መለስ ዜናዊ ዝተስምዖ መሪር ሓዘን ዝገልጽ መግለጺ ከምዝውጽአን ኣብ ቤት መንግስቲ መንብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምብጻሕ’ውን ንቤተሰቡ ከምዝጸናንዑ ዝዝከር’ዩ።

ብድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ሓዘን መዝገብ ምስ ተኽፈተ ናይ ምፍራም ሰነ-ሰርዓት ኣብ ዝሰላስለሉ ዝነበረ እዋናት ትማሊ መዓልቲ 28 ነሓሰ 2012 ብኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝተመርሐ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝርክቡዎ ኣባላት ኣመራርሓ ሰምረት መንእስያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ብሓባር ብምብጻሕ ሓዘኖም ክገልጹ እንከለዉ ክልተኦም ኣቦ መንብራት ዶ/ ዮሰፍ ብርሃኑ ኣቦ መንብር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን ዶ/ በርኸት ብርሃነን ኣቦ መንበር መረሕነት ባይቶ ሰምረት መንእስያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ኣብ ዝተቅምጠ ናይ ሓዘን መዝገብ ህቡብ ተራ መረሕነት ኣቶ/ መለስ ዜናዊ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ተራኡ ኣብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቓን ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ብሰም ክልቲኡ ናይ ቃልሲ ወዳቤታት ፈርሞኦም ኣቀሚጦም።

 

ከምኡውን አባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት  አብ ዓዲ እንግሊዝ አቶ ሓምድ እዛዝ ምስ አቶ እስማዒል ገበይታ አብቲ ብምኽነያት ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ/ መለስ ዜናዊ ዝተስምዖ መሪር ሓዘን ዝገልጽ መግለጺ ከምዝውጽአን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲ አብ ለንደን ብምብጻሕ’ውን ብሽም ፈጻሚት
ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ፈርሞኦም ኣቀሚጦም።

 

ክፍሊ ዜና ፈጻሚት
ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ

29 ናሓሰ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7664

Posted by on Sep 3 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net