ሓባራዊ ቃል ጽላል ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ውልቀስባትን

29/09/2012

 

ዝኸበርኩም
ሃገራውያን ተቓለስቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ !

ዝኸበርኩም
አባላት ጨናፍር ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት!

ዝኸበርኩም
ዕዱማትና!

 

ብመጀመርያ
እንቋዕ ነዚ ድርብ ኣጋጣሚ ሓደ መበል 51 ዝኽሪ ምጅማር ናጽነታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ድማ ዝኽሪ መበል 11 ዓመት
እቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕይወቶም ዝበጀዉ ገዳይም ተጋደልትን ሓለፍቲ መንግስትን ከምኡ ድማ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ነጻ ፕረስ
ዝኾኑ ጋዜጠናታት ናይ ሕልና እሱራትን ንኽንዝክር ዘብቃዕና እናበልኩ ብሰመይን ብስም ጽላል ንደምክራስያዊ ለውጢ ሰላምታይ አቅርብ።

 

ምጅማር ብረታዊ
ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ብ1961 ኣብ ጎቦ ኣዳል ብውሑዳት ሰባት ብመሪሕነት ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፣ብመሰረት ፈደራላዊ ውዕል
ኤርትራ ካብ 1952 ክሳብ 1963 ብሰም መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋምን ምሕደራን ከምዝነበራ እዚ ውዕልዚ ብኢትዮጵያን
ብመሻርኽቱ ዝነበሩ ሰልፊ ኣንድነትን ብብቅሩብ ክፈርስ ምስ ጀመረ፣ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ንመሰል ሕዝቢ ኤርትራ ዝኸላኸሉ ዝነበሩ
ሃገራውያን ሓይልታት ብፍላይ ኣብ ቀጽሪ ናጽነት ተጠርኒፎም ዝነበሩን ካልኦት ሃገራውያን ባእታታትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይደኸሙ
ነዚ መንግስቲ ሃይለ ሰላስ ነቲ ውዕል የፍርሶ ከምዘሎ ንህዝቢ ኤርትራን ንሕቡራት ሃገራት ዓለም ከፍልጡ ጸኒሖም ኢዮም፣ ኣብዚ
ግዜ’ዚ ክንዝክሮም ዘሎና ኣቦታትና ዓብደልቃድር ከቢረን ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልድማርያም ነበሩ። ብዘይካኦም ድማ ኣብቲ
ግዜቲ ኣባላት ፓርለማ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቦና መሓመድ ዑመር ኣኪቶን ኢድሪስ መሓመድ ኣድምን ካልኦት ብዙሓት ነበሩ። ኣብ
መጨረስታ ግን ብውዲት ዓለምን ውሽጣዉያን ተሓባበሮቶምን ኤርትራ ከም መንግስቲ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። ናይ\ዚ ሳዕቤን ድማ እቲ
ዝተረኽበ ፖሊቲካዊ ሕዝባዊ ምልዕዓላትን፣ ውሽጣዊ ምንቅስቃሳት ከም ሓረካ ዝኣመሰሉ ተመስረቱ ፖሊቲካውን ሰላማውን ቃልሲ ድማ
ኣካየዱ፣ እዚ ሕዝባዊ ምልዕዓላትን ምንቅስቃሳትን እውን ስማዒ እዝኒ ኣይረኸበን ብጸላኢ ድማ ተሃድነ፡፤ ሎሚ ኣብዚ ግዜዚ በጃ
ሕዝቦም ዝኾኑ ኣቦታትና ንዝክረሉ ዕለት ኢዩ። እዚ ኩሉ ምስ ተነጽገን ምስ ተሃድነን ድማ ኢዩ እቲ ኣብ ስደት ዝነበሩ
ዝጠንሰስዎ ቀጺሉ ድማ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብመሪሕነት ሓምድ ኢድርስ ዓዋተ ዝተጀመረ ምስ ኩሉ መሰናክላቱ ደገፍ ሕዝቢ ረኺቡ ድማ
1991 ንኤርትራ ናጽነታ ኣጐናጺፉ ኣካል ናይ ሕብረተ ስብ ዓለም ከምትኸውን ገበራ ሎሚ በዚ ዕለት እዚ ነዛ ታሪኻውን ሕዝባውን
ዝኾነት ወርሒ መስከረም ንኩሎም ንሕዝቦም ናጻ ንምውጻእ ሕይወቶም ንዝወፈዩ እንዝክራ ወርሒ ኢያ።

 

ክቡራንን
ክቡራትን ተሳተፍቲ ወርሒ መስከረም- ወርሒ ተስፋን ትጽቢትን ሕዝቢ ኤርትራ!

ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ መስናኽላትን ዕንቅፋታን ክርከብ ባህርያዊ ኢዩ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ሕዝቢ ከምዚ ዓይነት መስናክላት
ክርከቦ ግድን ኢዩ ምክንያቱ ኤርትራ ብናታ ኣቀማምጣ ብሓያላን ገዛእቲ ዞባን ኣህጉራውያንን ትድለ ስትራትጂካውን ጀዮፖሊትካዊ
ተጠማትን ኣለዋ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኢያ ናጽነታ ከይረኸበት ነዚ ኩሉ መስዋእቲ ዝኸፈለት። ኤርትራ ብስፍሓት ይኹን ብብዝሒ ቁጽሪ
ህዝባ ዝነኣሰት ሃገር ኢያ፣ እንተኾነ በቲ ኣብ ህዝባ ዘሎ ጽንዓትን ተወፍይነትን ንዝመጽኤ ግዳምዊ ይኹን ውሽጣዊ ወራር
ክትከላኸል ጸኒሓ ኢያ። እቲ ኩሉ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ክብሩን መዝክራቱን ዝኾኑ ባእታት ብሓፍነት ዘይብሎም ብጊጉይ ኣገላልጻ
ክብሮምን ታሪኻዊ ግደኦምን ክመራስሕን ክጽልምን ህዝቢ ኤርትራ ኣይቅበሎን፣ ታሪኻዊ ቅርስታቱ ሰለዝኾኑ ድማ ዝኾነ ሰብ ብታሪኽ
መራሕቲ ሕዝባዊ ቃልስና በቲ ናይ ጽላእትና ክበሃል ዝጸንሔ ሰውራ ኤርትራ ብሽፍትነት ክግለጽ ሎሚ ሓደ ኣባል ደንበ ተቃውሞ ፣
ብፍላይ ድማ ኣባል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክነሱ ንታሪኽ ብረታዊ ቃልስና
ከምሽፍታ ከገልጾ ከሎ፣ ዘሕፍርን ኣነዋርን፣ ሓላፍነት ዘይብሉ ባእታ ኢዩ፣ ነዚ መበሊና ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ዝወጽ ኤት
መግለጺ ብመሪሕነት ውድብ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ኢዩ። ሕዝቢ ኩናማ ካብ ኩሉ ህዝቢታት ኤርትራ
ዝተወጽዔን ኣብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ከምቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወኤን ምዃኑ ኩልና ንፈልጦን
ንኣምነሉን ኢዩ። እቲ ብመሪሕነት ምንቅስቃስ ዝወጽኤ ድማ ንህዝቢ ኩናማ ኣይምልከቶን ኢዩ፣ ንሕና ከም ደንበ ተቃውሞ
ንደምክራስያዊ ለውጢ እቲ ብመሪሕነት ምንቅቃስ ኩናማ ወጺኡ ዘሎ ብትሪ ንነጽጎ፣ ንመርሕነት ሃገራዊ ባይቶን ኪዳንን  ድማ ንጉዳዩ ከጻርዩን ከእርሙን በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።

 

ክቡራንን
ክቡራትን ዕድማት!

 

ሎሚ ህዝቢ
ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ናጽነት እንታይ ረኺቡ፣ ዕላማታት እቲ ብ1961 ዘበገሶ ናጽነታውን ሓርነታውንከ ይትግበር ዶ ኣሎ
ኢልና ንዝክሮን ነስተንትነሉን ግዜ ኢዩ ዘሎና፣ ሕጂ እውን እንተኾነ ኤርትራን ህዝባን ጌና  ኣይቀሰነትን ኣላ። በቲ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ጉጀለ ኢሳያስ ህዝብና
ናጽነቱ ከስትማቕር ይትረፍ፡ ካብ’ዚ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበኣሰ ኩነታት ኣጋጢሙዎ ይርከብ። ጉጀለ ህ.ድ.ዲ.ፍ. ሃገር
ብምሉእ ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ቀይርዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣፍራዪ ሓይሊ ሃገር ዝዀነ መንእስይና ድማ ብፍላይ ኣደዳ
ግፍዕን ጭቍናን ስደትን ሞትን ኰይኑ ይርከብ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደት ቦታታት
ዘጋጠሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኩነታት ኩላትና ንፈልጦን ንከታተሎን ስለ ዝዀንና ምድጋሙ ኣድላይነት የብሉን። እቲ ክንገብሮ
ዝገበኣንና፡ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ሃገራዊ ሓላፍነትና ተገንዚብና፡ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ኣውዲቅካ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ
ለውጢ ንምርግጋጽ ክንረባረብ ይግበኣና። ናይ ህዝቢ ማዕበል እንተ ተላዒሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብል ሓይሊ ከም ዘይህሉ፡ ኣብ
ሃገራት ኣዕራብ ዝተባረዐ ህዝባዊ ምንዕዓብ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ስለ’ዚ ህዝብና ድማ፡ መሰላቱ ንምርጋግጽን፡ ኣብ ሃገሩ ፍትሕን
ማዕርነትን ግዝኣተ ሕግን ንከንግስ ከይ ተሓለለ ክቃለስ መድረኽ ይሓቶ ኣሎ።

 

ኩቡራትን
ኩብራንን፡

ኣብ ዝሓለፈ
ክልተ ዓመታት ናይ ህዝብና ንያት ቃልሲ ክብ ኢሉ፡ ርኡይ ዝዀነ እውንታዊ ምዕባሌታት ተረጋጊጹ ይርከብ። ተቓውሞ ደንበ፡ ኣቀዲሙ
ብዋዕላ ቀጺሉ ድማ ብሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ኣቢሉ፡ ” ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ልወጢ” ክምስርት በቒዑ። ከምኡ’ውን
ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ናብ ዝላዕለ ጥርዚ ተሰጋጊሩ፡ ኣብ ከተማ ደብረዘይቲ ” ስምረት ኤርትራዊ መንእሰይ ንድሕነት ሃገር”
ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ ምጥርናፉን፡ ድሒሩ ድማ ድማ ዓለምለኻዊ ዋዕላ መንእስያት ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም ንውጽኢት ጉባኤ
ደብረዘይቲ ምቕባሉ፡ ንተቓላሳይ ህዝብና ዓቢ ተስፋ፡ ንጨቛኒ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ድማ ኣሰንባዲ ተረኽቦ ምንባሩ ተገንዚብና።
ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ዓቕምታቶ ብሓባር ጸሚዶም፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዑትብነት ተበጊሶም ኣለዎ። ስለ’ዚ
ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራዊ፡ ንያታውን ንዋታውን ሰብኣውን ዓቕምታቱ ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ ከወፊ ይጥለብ ኣሎ።

 

ኣብ መደምደታ
ዕድሜና ኣኽቢርሉም ነዛ ታሪኻዊ መዓልቲ’ዚኣ ንምኽባር ኣብ’ዚ ተረኺብኩም ዘለኹም ኣሓዋትን ኣሓትን ክብ ዝበለ ምስጋናና
ብምቕራብ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ፡ ምልኪ ካብ ሃገርና ተቐንጢጡ ዕላማታት ሰውራና ብምሉኡ ተረጋጊጹ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ብሓባር
ከነብዕሎ ተስፋ ንገብር።

 

ዓወት
ንዲሞክራስያዊ ቃልስና !

ክብርን ዝኽርን
ንጀጋኑ ስውኣታን !

 

ዓወትና ማዕረ
ቃልስና !

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7804

Posted by on Oct 3 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net