መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን
እዋናዊ ዜና
መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብዓወት ተዛዚሙ፡፡


መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ እቲ ካብ ዕለት 3-5 ሕዳር 2012 ክሰላሰል ዝቐነየ፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ኣብ ንድፈታት መሰረታዊ ዕላማታት ግንባርን፡ ግንባራዊ ቅዋምን ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱን ኣጽዲቑን፡፡ ግንባራዊ ጉባኤ ብተወሳኺ፡ ካብ ክልቲኡ ውድባት ብድምር፡ 14 ኣባላትን 2 ተጠባበቕትን ዘካተተ ግንባራዊ ባይቶ፡ ከምኡ ድማ፡ ካብ ክልቲኡ ውድባት 4 ኣባላት ዝሓቆፈ ኮምሽን ቁጽጽር ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ፡፡

ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ኣብ ግንባራዊ ቅዋም ብዘጽደቖ ኣዋጅ መሰረት፡ እዚ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ግንባር እዚ፡ “ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ” (ኤግደለ) ተባሂሉ ክጽዋዕ ተወሲኑ ኣሎ፡፡

ትማሊ 6 ሕዳር 2012 ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል፡ ግንባራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ) ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ደምዳሚ ኣዋጅን ጉባኤና ምስተነበ፡ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ውድባት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መግለጺታት ኣስሚዖም፡፡ ብፍላይ ድማ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ብመንገዲ ወካሊኡ ኣቢሉ፡ እዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ደሞክራስያዊ ግንባር፡ ንዝሓሸ ናይ ቃልሲ ምውድዳባትን ዓወትን መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ መንእሰይ ማእከል ስሕበት ናይ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ክኸውን ኣለዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ብምብጋስ፡ ኤደግ ኣብ ጎኒ እዚ ግንባር እዚ ኮይኑ ክቃለስ ዘለዎ ድልውነት ገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ብመንገዲ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ናይቲ ማሕበር፡ መንእሰይ ተስፉ ኣጽባሃ ኣቢሉ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፡ መንእሰያት ኣብ ምትእኽኻብን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምድልዳልን ኣተኲሮም ክቃለሱ ዝጸንሑ፡ ክልተ መሓዙት ውድባት ምደፍኤን፡ ብደግሓሳኤን፡ ሓደ ናይ ሓባር መቃለሲ ግንባር ክምስርቱ ምኽኣሎም ዝተሰመዖ ፍናን ብምግላጽ፡ ንኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መስመር ናይ ምዕሳል ተበግሶታት ሕጂ እውን ክድፋኣሉ ከምዘለዎ ገሊጹ፡ ኣብ መወዳእታ እውን ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብዓወት ምዝዛሙ ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላጽ፡ ንክልቲኡ መሓዙት ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ዘለዎ መጎስ ኣስሚዑ፡፡ ኣብዚ ድሙቕ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት እዚ፡ ጉጅለ ባህሊ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ንግንባራዊ ዕላማትትና ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ዜማታት፡ ግጥምታትን ድሙቕ ባህላዊ ጸወታታትን ብምቕራብ፡ ነቲ መድረኽ ኣማሚቖሞ ኣምስዮም፡፡

ምሉእ ዜናዊ ጸብጻብ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ኤግደለ፡ ኣብ ናይ ምሸት ጸብጻብና ተኸታተሉ፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7963

Posted by on Nov 8 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net