ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ

ከም መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንካልኣይ ጊዜ ህዝባዊ ኣኼባ ብምጽዋዕ ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ወከልቶም ካብ ህዝቢ ዝመርጽሉ መዓልቲ ቀዳም ሰነ 19, 2010 ከም ዝተቖጽረ ንኩሎም ኤርትራውያን ብሓበራ ነፈልጥ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዋዕላን፡ ኣገባባቱን፡ ለበዋታትን ክንዝትየሎም ስለዝኾና ኩሉኹም ደለይቲ ለውጢ ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ብደሓን ምጹ!

ንኡስ ሽማግለ ዋዕላ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=803

Posted by on Jun 14 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net