ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ መጻኢ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ

2012-11-25

ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ህጹጻት ጉዳያት ኣለውዎ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  1. ባይቶ ኤርትራ ንደሞራስያዊ ልወጢ ብባይቶታ ሰንዓ ፎሩም ሕጋዊ ተፈላጥነት ክህልውዎ
  2. ምስ ባይቶታት ዓለም ስለ ክፋለጥ ማእከላይ መደበር ባይቶ ኣብ ውጻኢ ክኸውን
  3. መደበር ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን
  4. ንነጋዶ ህዋሳት ኤርትራውያን ብኹሉ ኣገባብ ዝቃለስ ትካል ምቕዋም
  5. ሰራዊት ባይቶ ብባይቶ እምበር ብሰራዊት ዘለወን ውድባት ከይቀውም፡ እዚ ድማ ብኢድ-ኣዙር ወተሃደራዊ ኪዳንን ናይ ጽባሕ ዲክታተራዊ ሰራዊትን ስለ ከይቀውም እዩ
  6. ባይቶ ብምሉእ ዓቕሙ ንጉባኤ መንእሰያት ከዐውት ክነጠፍ፣ ድሕሪ ጉባኤኦም ድማ ኣባልነቶም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከረጋግጽ
  7. Think Tank ንኤርትራዊ ዓቕምታት ስትራተጅን ሞያን (expertise) ተኸሱስን (specialization) ዝጥርንፍ ትካል ኣብ ባይቶ ክምስረት
  8. ንስራሕ ባይቶ ዝምልከት፥

ሀ. ንኣኼባ ተካይድ ሰክረታርያ ክትቀውም

ለ. ኣብ መንጎ ፈጻሚትን መሪሕነት ባይቶ ምትእትታው ክይህሉ

ሐ. ፈጻሚት ብኰታ ዘይኰነ ብቐጥታ ክትምረጽ፡ ቊጽራ ድማ ካብ 11 ክይሓልፍ

መ. ብፈጻሚት ዝምደቡ ካድራት ብዝተኻእለ መጠን ኣባላት ባይቶ ክዀኑ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብፈጻሚት እምበር ብጨናፍር ከይምደቡ

ሰ. ኣባላት ፈጻሚት ምሉእ ግዜኦም ዘገልግሉ ክዀኑ

  1. ጉዳይ ቀርነልዮስ ኣብ ኣጀንዳ ስለምንታይ ከምዝኣተወ ንጹር ኣይኰነን

ባይቶንጉዳይ dicipline ኣብፖለቲካዊሸንኰለልምእንቲከይኣቱነዞምዝስዕቡመትከላትኣብግምትከእቱይግደድ፥

  • ሃገራዊ ባይቶ ከም ሽሙ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ባይቶ ኪዳን ኣይኰነን
  • ብሄር ኩናማ ድማ መስራቲ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ እዩ
  • ቀርነልዮስ ወኪል ብሄር ኩናማ ኣብ ባይቶ ኤርትራ ስለ ዝዀነ ኣባልነቱ ኣብ ባይቶ ቅዉም እዩ፣ ከውርዶ ዝኽእል ዝመረጾ ውድቡ ጥራይ እዩ
  • ቀርነልዮስ ኣብ ጸፍሕታት መሪሕነት ባይቶ ይኹን ወይ ፈጻሚት ክምረጽ መሰል ኣለዎ፡ ብደሞክራስያዊ ምርጻ ይምረጽ ወይ ይወርድ
  • ካብ ቀርነልዮስ ዝጥለብ፡ ጀግና እድሪስ ዓዋተ መስራቲ ሰራዊት ኤርትራን ኣቦ ስውራን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ምርግጋጽ እዩ

 

 

ዓወት ንሃገራዊ ባይቶ!

ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ኢሳይስ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

 

ሕሩይ ተድላ ባይሩ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8048

Posted by on Nov 27 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net