ብምኽንያት ልደትን ሓድሽ ዓመት 2013 ዝወጸ ናይ ዮሃና መግለጺ

 

ብቐዳምነት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና ሃይማኖት ንተቓለስትን ደለይቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ እንቓዕ ንብርሃነ ልደትን ንሓድሽ ዓመተ 2013 ዓ/ም ብሰላም ኣብጻሓኩም ዮሃና ኣንዳበልና ፡ ትሰናበት ዘላ ዓመተ 2012 ህዝብና ኣብ ትሕቲ እዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሂወት ብፍላይ መናእሰይ ኤርትራ ንዝረኽብዎ ዘለዉ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ናይ ስደት ሓሳረ መከራን ዚያዳ ማንም ግዜ ከፊኡ ምህላው በቲ ሓደ ወገን ፡ ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ድማ ናህሪ ብምውሳኽ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓልታት ሓድነተን ብምድልዳል ናይ ዲሞክራሲያውያን ሓይልታት እናደልደለ ተሳትፎ ዜጋታትና እና ሰፍሐ ዝኸደላ ዓመት ምንባራን’ዩ። ካብዚ ሓቀኛ ክውንነት ብምምርኳስ ንሓድሽ ዓመት 2013 ኣብ እንቕበለሉ ዘለና እዋን፡ ኤርትራ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ብልጽግቲ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንኽትከውን እነካይዶ ዘለና ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ፡ ዚያዳ ዝዓዘዘን ብኹሉ መዳይ ንዕወተሉን ዓመት ከምዝኸውን ንኣምን፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ድማ ዕምሪ እዚ ገባቲ ስርዓት ንምሕጻርን ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተወዲቡን ዓሲሉን እጃሙ ከበርክትን ሓላፍነቱ ኽወስድን ይጽውዕ፡ ዓመተ 2013 ኩሎም ሰናይ ባህግታትና ዝፍጸሙላ ዓመት ከምእትኸውን ኣይንጠራጠርን ። ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመት !!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

ብሓባር ምእንቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ !

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ !

30 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8200

Posted by on Jan 2 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net