ኣገዳሲ ሃገራዊ ዜና


ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ፡ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዊዒሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

እቲ ብኸበባ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ዝጀመረ፡ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ስዒቡ ናብ መዕረፊ ነፈርትን ቤት ጽሕፈትን ፕረዝደንትን ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራን ከም ዝለሓመን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ተለፎንን ክሳብ ሕጂ እኳ እንተዘይተቛረጸ ፈነወ ተለቭዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከም ዝተቛረጸን፡ ኣብ ገለ ጎደናታት ኣስመራ ድማ ምንቅስቓስ ናይ ታንክታት ከምዘሎን፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ሻቖሎት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡
እዚ ናይ ተቓውሞ ወተሃደራዊ ምንቕስቓስ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ይምራሕ ከም ዘሎ ብተወሳኺ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት፡፡
ዝስዕብ ምዕባሌታት ምስ ዝህልው ከነከታትለኩም ምዃና ኣቐዲምና ንሕብር፡፡
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ብደግሓሳኤ፡፡
21 ጥሪ 2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8328

Posted by on Jan 22 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net