News

ኣገዳሲ ሃገራዊ ዜና


ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ፡ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዊዒሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

እቲ ብኸበባ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ዝጀመረ፡ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ስዒቡ ናብ መዕረፊ ነፈርትን ቤት ጽሕፈትን ፕረዝደንትን ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራን ከም ዝለሓመን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ተለፎንን ክሳብ ሕጂ እኳ እንተዘይተቛረጸ ፈነወ ተለቭዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከም ዝተቛረጸን፡ ኣብ ገለ ጎደናታት ኣስመራ ድማ ምንቅስቓስ ናይ ታንክታት ከምዘሎን፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ሻቖሎት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡
እዚ ናይ ተቓውሞ ወተሃደራዊ ምንቕስቓስ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ይምራሕ ከም ዘሎ ብተወሳኺ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት፡፡
ዝስዕብ ምዕባሌታት ምስ ዝህልው ከነከታትለኩም ምዃና ኣቐዲምና ንሕብር፡፡
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ብደግሓሳኤ፡፡
21 ጥሪ 2013

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top