ቅልውላው ስርዓት ኣስመራ ብዝምልከት ሓጺር መግለጺ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ሰሙናት ዝወሰደ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዘይምጥዕዓም ካብ ዕለት 19 ጥሪ ጀሚሩ እቲ ቅልውላው ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ምህላዉ ንከታተሎ ዘለና ሓቂ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ትማሊ ዝጀመረ ቅልውላው ዘይኮነስ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ከም ጥሙር ሓይሊ ኣዝዩ እናኣንቆልቆለ ናይ ምኻዱ ጎሊሑ ዝተራእየሉ ኩነታት እዩ። ብዝኾነ ግን ህዝቢ ዘይተሓወሶን ማእከሉ ረብሓ ህዝቢ ማእከል ዘይገብረ ዝኾነ ይኹን ምድርዳር ዘይሩ ዘይሩ ኣብ መንጎ እቶም ንዓመታት ንህዝቢ ጨፍሊቖም ጉጅላዊ ረብሓታቶም ጥራሕ ከደልድሉ ዝጸንሑ ኣካላት፡ ሕጂውን መልክዖም ቀይሮም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝግበር ስርሒት እምበር መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኡ ከምዘይክእሉ ክንርዳእ ይግባእ። ካብዚ ሓቅዚ ብምብጋስ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝግበር ዝርርብን ዋጋ ዕዳጋን ኣብ መንጎኦም ናይ ነብሲ ኣድሕን ስጉምትታት ጥራሕ ምዃኑ ፈሊጥና ህዝቢ ማእከል ዝገብረ ለውጢ ንምምጻእ ደለይቲ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ምብርታዕ ካልእ ቅኑዕ መማረጺ የልቦን። እዚ እንሰምዖ ዘለና ክፍሊ ዜና ተኸቢቡ እከለ ሞይቱ እከለ ቆሲሉ ዝብል ዜና ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ሓይሊ ደንበ ተቓውሞ ካብ ምጥንኻር ናይ ገዛእ ርእስና ኣጀንዳ ከውጽኣና ኣይግባእን። ብርግጽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ቀንዲ ሃምናን ቀልብናን ድሕነት እቲ ተጨኲኑ ዘሎ ህዝብና ምዃኑ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን። እዚ ብቐንዱ ናይቶም ከም ህዝቦም ተጨኲኖም ዘለዉ ተራ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ጉዳይ እምበር ናይቶም ኣብ ገበን ተጨማሊቖም ዝጸንሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ስለ ዘይኮነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ቀንዲ ናይ ሕጂ ዕማሙ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ክኽውን ከምዘለዎ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ። ሕጂውን ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝግበር ግርጭት ይኹን ድርድር መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሔ ጭቆና እምበር መፍትሒ ኩሉ መዳያዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ክኽውን ኣይኮነን። ካብ ዝጸንሔ ጸገም መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል፡ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ በቶም ተጨኲኖም ዝጸንሑ ኣካላት ክምራሕ እንተኺኢሉ እዩ። እምበር በቶም ብኻልእ ሓድሽ መንገዲ በትሪ ስልጣኖም ከደልድሉ ዝደልዩ ኣካላት ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው መግለጺ ናይ ዝኸረመን ዝሓገየን ምረት እዩ። እቲ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ዘሎ ጸገም መግለጺ እዩ። ዝበለጸ መፍትሒ ከኣ በቶም ዝያዳ ዝተጨኮኑ ኣካላት ስለ ዝመጽእ ኣብዚ ዝረኤ ዘሎ ቅልውላው ታሕተዎት ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንተኺኢሎም ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ጎድኖም ከምዘለናን ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምስግጋር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ምኻንናን ከነረጋግጽ ንደሊ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8338

Posted by on Jan 24 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net