መግለጺ ኢዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

23 ጥሪ 2013

መግለጺ ኢዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና

ኣራሚ ምንቅስቓስ ብዝብል ዝተወደበ ናይ ሰራዊትና ምንቅስቓስ ዝጠለቦም ሕቶታት ቅኑዕን እዋና’ውን ምዃኑ ንኣምን

–   ህዝቢ ኤርትራ ብመሪር መስዋእትነት ደቁ ዝረኸቦ ናጽነት ሲዒቡ ዝመጸ ውልቀ ምልካዊ መንግስቲ ኢሳይያስ እምበር ቅዋማዊ መንግስቲ ኣይነበረን። ብምዃኑ’ውን ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሰራዊትናን ኩሉ ዓይነት ግፍዕታትን ኣደራዕን ኣውሪዱ።

–   ኤርትራ ብቑጠባ ካብቲ ሕሉፍ ዝገደደ ካብ ናይ ዓለም ሃገራት ጭራ ክትኸውን

–   ብዲፕሎማሲ ዝተዋሰነት ኩሉ ዝፈንፈና ነግራም ሃገር ዝብል ምስሊ ክህልዋ፡ ከምኡ ከኣ

–   መንእሰይ ኣብ ክንዲ ናይ ልምዓት ሓይሊ ክኸውን ትርንዕ ኣብ ዝበለሉ ቁጽሪ መወዳእታ ኣብዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ክነብር ስለዝተገበረን ወሊዱ ክስዕም መሃያ ተቐቢሉ ስድርኡ ክሕግዝ ስለዘይከኣለ ኣንጸርጺሩ ዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ንስደት ክቕሰብ ስለዝገብሮ ካብ ምድረበዳታት ዝተረፈ ኣብ ውቅያኖሳት ቀለብ ዓሳ ዓዲ ጓኖት ክኸውን ኣካላቱ ተመዝሒቑ መህጠሪ ጁባ በዳዊን ክኸውንን ዘርሞዘርሞ ክነብርን ደሪኽዎ። ጠንቂ ኩሎም ‘ዞም ቀዲሞም ዝተገለጹ

ኣደራዕን ሕሰምን ኢሳይያስ ምዃኑ ዝተረደአ ህዝብን ሰራዊትን ብዝተፈላለየ መገዲታት ክቃለሶ ጸኒሑ ኣሎ።

ካብቲ ኣውራ ዘካየዶ ቃልሲ ድማ፦

–   ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1993 ኣብ ሜዳ ንግስተ ሳባ ቺቸሮ ዘካየድዎ ተቓውሞ

–   ሓርበኛታት ስንኩላን ማይሓባር ኣብ ዓመተ 1994 ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ መነባብሮ ንምምሕያሹ ዝምልከት ጠለብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ  

–   ኣካይዳና ቅጥዒ ንግበረሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ንመስርት ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ ኢሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ጉጅለ 15 ፡ ሙሁራት ጉጅለ 13ን ጋዜጠኛታን ኣብ መስከረም 2001 ዘቕረብዎ ፍትሓዊ ጠለብ፡

–   ከምኡ’ውን መንእሰያትን ምልኣተ ህዝብን ሰራዊትን ብዝተፈላለየ መገዲ ብዙሓት ወጠርቲ ሕቶታት ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዘቕረብዎ ይርከብዎም ኾይኑ ግን ‘ዞም ፍትሓዊ ጠለባት  ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብጭካነ ብሓይሊ ስለዝጨፍለቆም ንግዚኡ ዝተዘሓሓለ መሲሉ ፍርሒ ፈጢሩ ትም ኢሉ ክጸንሕ ጌርዎ ነይሩ’ዩ። ይኹን እምበር ህዝባውን ፍትሓውን ሕቶ ይድጎል እምበር ብሓይሊ ጨፍሊቕካ ፈጺሙ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ እንሆ ‘ቲ ደረጃ ብደረጃ ናተበራበረ ዝመጸ ህዝባዊ ጠለብ ዝወለዶ ምንቅስቓስ ኣብ ዝለዓለ ብርኩ በጺሑ ሎሚ ብኣራሚ ምንቅስቓስ ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

‘ዚ ምንቅስቓስ ምሉእን ዕውትን ክኸውን ህዝቢ ረብሕኡ ዘማላኣሉ ምእንቲ ክኸውን ክልተ ነጥብታት ክማላኣ ንጠልብ።

 

1. “ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ ተሒዝካኸ  ኣይትሰደድ” ከምዝበሃል ‘ቲ ስጉምቲ ከይተቋረጸ  ምትእስሳራቱ ኣጻጺፉ ክኸይድ።

2. ውሕሱን ዕውትን ክኸውን ከኣ ንህዝቢን ሰራዊትን ከሳትፍ ንጠልብ

ስለዚ መላእ ህዝብን ሰራዊትን ክሳተፋ ምእንቲ ድማ በብከባቢኡ ክውደብ ኩሉ ምንቅስቓሳት  በብጊዚኡ መብርሂ ክወሃቦ ይግባእ ንብል።

 

ኤርትራና ክወግሓላ ‘ዩ

ርሁውትን ውቅብትን ኤርትራ ንርኤሉ ጊዜ ቐሪቡ ኣሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8341

Posted by on Jan 24 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net