News

ዜና ጉባኤ – ምደፍኤ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ክልተ መዓልትን ፍረቓን ዝወሰደ  ዕዉት ውድባዊ ስሚናር ብ 3 ለካቲት 2013 ቅድሚ ቀትሪ ብዓወት ድሕሪ ምዚዛሙ፡ ልክዕ ኣብዚ ዕለትዚ ድሕሪ ቀትሪ፡ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ምደፍኤ “ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ብወግዒ ተኸፊቱ፡፡ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓ፡ ቃል  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ህጹጽ ምደፍኤን ቃል ኣቦ ወንበር ውድብ ምደፍኤ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መግለጺ ደገፍ መሓዙት ውድባት ቀሪቡ፡፡ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ብደግሓሳኤ፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ስደግኤ፡ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ደምሓኩኤ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ስምረት መንእስያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ኣብቲ ስሚናር ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ብጻይ ልኡል ጋይም ብተርታ ቃል ደገፍ ካብዘስመዑ ኢዮም ነይሮም፡፡

ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ፡ ብ 4 ለካቲት 2013 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ስሩዕ ናይ ጉባኤ ኣጀንዳታት ስፍሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ውድባዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ውድባዊ ሕገ ህንጻን ኣመሓይሹ ኣጽድቁ፡፡ ኣገዳስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ድሕሪ  ምሕላፍ ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ሰለስተ ኣባላት ኦዲት ኮምሽንን ብደሞክራስያውን መስጥራውን ኣገባብ ብምምራጽ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

 

 

ኣብ መዕጸዊ ስነ ሰርዓት ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ፡ ቃል ኣሰናዳኢት ሽመግለን መግለጺ ደገፍ መሓዙት ውድባት ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ጉጅለ ባህሊ ግንባር ኤግደለ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባዊ ፍሪያት ኣቕሪባ ነይራ፡፡

ዝርዝር ትሕዝቶ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ምደፍኤ ኣብ ቀረባ እዋን ከነስዕብ ምዃና ኣቀዲምና ንሕብር፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ

ዓወት ንሓፋሽ ብትግባር!!!

5 ለካቲት 2013

1 comment on “ዜና ጉባኤ – ምደፍኤ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡”

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top