ኩልና ፎርቶ 2013 ኢና! ህዝቢ ይወደብ ይንቃሕ ይቃለስ!

ጋዜጣዊ መግለጺ
ብኣካዲት ኣኼባ ከተማ ስቶክሆልም

ትማሊ ቀዳም ዕለት 9 ለካቲት 2013 ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ውልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ተማ
ኩልና ፎርቶ 2013 ኢና!
ህዝቢ ይወደብ ይንቃሕ ይቃለስ!
ብዝብል ጭርሖ
ዕዉት ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ስዊደን ተኻዪዱ።

እቲ ኣኼባ ኣብ መኽፈቲኡ ብዛዕባ ፎርቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምስቲ ዝሓለፈ ናይ 1980 ክሳብ 1990 ኣብ ሃገራት ምዕራባውያን ኣፍሪቃ ዝነበረ ተራ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ንውድቀት ምልካውያን ስርዓታት ብምዝማድ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ብኣካየድቲ ኣኼባ ተዋሂቡ።
ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ስርሒት ፎርቶ ተጋቢኡ ሰፊሕን ልዙብን ክትዓት ኣካዪዱ

እቲ ኣኼባ ንተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብኣባላት ሓይልታት ምኽልካል ዝተፈጸመ ስርሒት ንምልካዊ ስር ዓት ኢሳያስ ዘንቀጥቀጠ ንቃልሲ ደለይቲ ለውጢ ድማ ፍናኖም ሓፍዘበለ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ተረኽቦ ዘይኮነስ ውጺኢት እኩብ ድምር ናይቲ ብውሽጥን ብደገን ክካየድ ዝጸንሔ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደምክራስያ ምዃኑ እምነቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹን ደገፉን ገሊጹ።
እቲ ኣኼባ ብኣትኩሮ ብመስረት እቲ ዘቅረብዎ ጠለባት ጠለብ ሕዝቢ ኤርትራ ምዃኑ መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ተረኽቦ 1993 ብተጋደልቲ ዝቀረበ፣ ቀጺሉ ድማ ብኣባላት መንግስትን ሓለፍትን ብ2001 ዝቀረበ ድምጽናን ደምጺ ሕዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ድማ ኣስሚሩሉ።
እቲ ኣኼባ ቀጺሉ ነቲ ክካየድ ዝቀነየየን ዘሎን ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፣ ንቃልስና ዘበራትዕ፣ ንምልካዊ ስርዓት ድማ ዘምክኽ፣ሰለዝኾነ ካብ ሎሚ ንንየው ስርዓት ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ ከይስማዕና ናህና ኣስተዋጽኦ ንግበር ብዝብል ተረድኦ ብናይ ሓባር ውሳነታት ወጺኡ።

ዕላማ ናይ ሎሚ ኣኼባና ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ከመይ ገርካ ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኣዋሃሂድካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንግበሮ ዝብል ብምንባሩ እቲ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕብ ውሳነታት አሕሊፉ።
1. ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ን ዕለት 7 መጋቢት 2013 ካብ ስረግልስ ቶርይ ክሳብ ፓርለማ
2. ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ሰልፊን ተሳቲፍካ ናብ ኤርትራ ዝድሃበ ጽሑፋት ምዝርጋሕ
3. ብምኽንያት መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ዕለት 9 መጋቢት ኣብ ዝግበር ባህላዊ ምሽት ምስታፍ

ነዚ ውሳነታት ንምትርጓም እቲ ኣኼባ ቀጻሊ ናይ ምክትታል ሕዝባዊ አኼባታት ክካየድ ወሲኑ ብኡ መሰረት ድማ ንዕለት 23 መጋቢት 2013 ካል ኣይ ዙር ሕዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ወሲኑ።

ለበዋታት ኣኼባ፣
1. እቲ ንድህነት ህዝቢ ኤርትራ ንገብሮን ኣብ ንቅመጣ ሃገረ ስዊደን ዘድልየና ማህበራዊ ጉዳያት ኣብ ዝዝምልከቶ ምቅራብ ኣገዳሲ ምዃኑ፣ ማህበራዊ ጉዳያት ዝምልከቶ ኤርትራዊ ማህበረ ሰብ ከምዘሎ ንኡ ምውካስን ምሕታትን
2. እቲ ሕዝባዊ ውደባ ዝብል ድማ ምስቲ፡ዝጸንሔ ዳግመ ስርርዕ ኮይኑ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሔ ምስፋሑን ንኩሉ ከምዝሳተፍ ምግባሩን
3. ቀጻሊ ናይ ዘተን ምውህሃድን ስራሓት ክካየድ
ኣገደስቲ ለበዋታት ድማ ኣመሓላሊፍ

አካያዲት ህዝባዊ ኣኼባ
ከተማ ስቶክሆልም ስዊደን

ኣካያዲት ኣኼባ
ከተማ ስቶክሆልምን ከባብን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8434

Posted by on Feb 11 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net