ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ ንግረ-ሽበራ ህግደፍ ይዂንን፣ መራሕቲ ህግደፍ ቪዛ ከይወሃቡ ንዓዲ እንግሊዝ ይሓትት

2ይ ዜናዊ ጸብጻብ 2013
01.03.2013

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ (CC/ENDF): ብዕለት 24 የካቲት 2013 ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ: ነቲ ብዕለት 22 የካቲት ኣብ ልዕሊ ኣባል መሪሕነቱ ዝኾነ ኣቶ ኣሰፋው በርሀ እተገብረ ናይ መጭወይቲ ፈተነ ኰኒኑ። ኣቶ ኣሰፋው ናብ ሓደ ብደገፍቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ እተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ እናኸደ እንከሎ ኢዩ እቲ ፈተነ ኣብ ልዕሊኡ እተኻየደ። ክሳዕ ሕጂ እተረኽበ ሓበረታ: እቶም ዝጥርጠሩ ገበርቲ ናይ ስርዓት ኣስመራ መጋበርያታት ከም ዝኾኑ ኢዩ።
ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሻቕሎቱ እናገለጸ: ነቲ ተግባር ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክመያየጠሉ ምዃኑን፣ እዚ ዓይነት ሽበራዊ ተግባር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮነ ኣብ ካልእ ነጻ ዓለም ዘይድገመሉ መንገዲ ክድለ ከም ዘሎዎ ይኣምን።
በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ: ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ (CC/ENDF) ናብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ወጻኢ ጕዳይ ምኒስትር ዝኾነ ኣቶ ዊልያም ሄግ መዘክር ብምጽሓፍ: ብመሰረት ናይ ማዕቀብ ውሳኔታት 1907ን 2023: ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ንዓባይ ብሪጣንያ ዘእቱ ቪዛ ከይወሃቦ ሓቲቱ። እዚ ናይ ኣሜሪካን ኤርትራን ፓስፖርትታት ዝውንን ኣቶ የማነ: ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ መንእሰይ “ናይ ህግደፍ መንእሰይ” ኣብቲ ትሕቲ ዝብል ውደባ ከለዓዕልን ክቈጻጸርን: ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መደብ ተቐቢሉ ዝነጥፍ ባእታ ኢዩ። ኣወሃሃዲ ሽማግለ ብዘሎዎ ሓበረታ ከኣ: እቶም ኣብ ትሕቲ መንእሰይ-ህግደፍ ዝብል ሽፋን ተወዲቦም ዘሎዉ ባእታታት: ኣብ ግብረ-ሽበራዊ ስራሓትን: ስለያን: በብዓይነቱ ኣካላዊ መጕዳእትን: ዘይንቡር ንግድን: ብኣስገዳድ ናይ 2% ቀረጽን ካልእ ውጽኢታትን ዝእክቡ ወዘተ ተዋፊሮም ካብ ዘሎዉ ሰባት ኢዮም። ሓንጐል መንእሰይ ንምሕጻብ ዝዓለመ ሰሚናራት፤ ንስሙ “ባህላዊ” ዝብልዎ በዓላት እውን የካይዱ።
እዞም ናይ ዓመጽ ጕጅለታት ካብ ዘካየድዎም ናይ ግብረ ሽበራ ስራሓት ብውሑዲ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፤
ብ2008 ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣንጻር ሓንቲ ደጋፊት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያ ዝኾነት ኢጣልያዊት እተኻየደ ኣካላዊ ዓመጽን ግህሰትን፤
እዞም ኣብ ወርሒ የካቲት 2013 ኣብ ሃገረ ሽወዴን: ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘባዊ ንጥፈታቶም ብምክያድ ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 3 ኤርትራውያን፤
እቲ ብ22 የካቲት 2013 ኣብ ማእከል ከተማ ለንደን ኣንጻር ብጻይ ኣሰፋው በርሀ እተገብረ ፈተነ መጭወይቲ፤
ከምኡ ከኣ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ከተማ ከሰላ እተፈጸመ መጭወይቲ ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም።
እቲ ናብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ወጻኢ ጕዳያት ምኒስትር እተላእከ መዘክር ሃዲሓኤ: ኣብ ለንደን ዝርክበ ኣምባሳዶር ኤርትራ ነቲ ኣብ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ብምዝውዋር ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምፍርራሕን ናይ ስለያን ዑደታት ክኽልከልን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱን ጸዊዑ።

ኣብ መደምደታ: ኣኼባ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ንዝገብርዎ ተቓውሞ ከወሃህዱን: ነቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ እተጋህደ ጠለባት ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ደገፍ ክህቡን ሓቲቱ።

CCENDF@gmail.com

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ (CC/ENDF) ንንጥፈታት ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ንምውህሃድን ንምድጋፍን ብጥቅምቲ 2011 ዝቖመ ሓባራዊ ራእይ ናይ ዘሎዎም ነጻ ውልቀሳባትን ውደባታትን ጥርናፈ ኢዩ። ኣባላት ሃዲሓኤ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ሰላማዊ ዲሞክራሲይዊ ቃልሲ ብምክያድ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ይቃለሱ።
القوى الوطنية الديمقراطية الارترية (مختصر:المنسقية الوطنية): جهد مشترك بين افراد ومنظمات ديمقراطية تم اطلاقه في أكتوبر 2011 لتنسيق جهود الفعاليات الوطنية التي تؤمن وتناضل بوسائل سلمية مدنية وتسعى لجعل تغيير سياسي محوره الشعب في ارتريا واقعا ملموسا.
ENDF is a joint-effort launched in October 2011 to coordinate the efforts of pro-democracy constituted Eritrean groups and independent individuals that believe in non-violent means of struggle and in contributing to making a people-centred political change in Eritrea a reality.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8579

Posted by on Mar 3 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net