ቃል ሓዘን ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ብዮ ዓብደላ

peuAbdallahተጋደላይ ብዮ ዓብደላ እስማዒል ብዝሓዳሮ ንነዊሕ ግዜ ዘሳቐዮ ሕማም ብዕለት 25/5/2014 ኣብ ከተማ ከሰላ ብመስዋእቲ ከም ዝተፈለየና፡ መሪር ሓዘን እና ተሰማዓና ንኩሎም ኣባላት ውድብናን ተቐለስቲ ኤርትራውያንን ንገልጽ። ተጋዳላይ ብዮ ኣብ መወዲእታ ኣርባዓታት ኣብ ብንቢና-ጋሽ ተወሊዱ ምስ ስድራኡ ኣብቲ ከባቢ ይነብር ነይሩ ። ብጻይ ብዮ ካብ’ቶም ኣብ ውሽጣዊ ስርርዕ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኰይኖም ሃገራዊ ጉቡኦም ካብ’ቶም ዘበርከቱ ተቓለስቲ ነበረ። ብሰማንያታት ኩነታቱ ምስ ተፈልጠ ንሱዳን ክስደድ ተገደደ። ኣብ ሱዳን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ሰውራዊ ባይቶ ቃልሱ ቀጸለ። ድሕሪ ምቛም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ድማ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ከም ላዕላዋይ ካድር ኰይኑ ምሉእ ግዜይኡ ኣብ ቃልሲ ተዋፈረ። ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ድማ ከብ’ቶም ልሉይ ግደ ዝነበሮም ካድራት ኰይኑ ንውዱብን ንሃገሩን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣበርከተ።

ተጋዳላይ ብዮ ንመሰረታት ውድብ ብምትብባዕን ብምሕብሓብን ዝተለለየ ህርኩትን ውፉይን ተቃላሳይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ስራሑ ድማ ብጽፈትን ስነ ስርዓትን ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ብምኽንያት ጽፈት ስርሑ ኣብ ሞንጎ ብጾቱ ብጣልያን ይፍለጥ ነበረ። ግዜ ምስ ብዮ ብጣዕሚ ክቡር ነይሩ ። ቆጸራ ምኽባርን ዝተዋሃበካ ዕማም ኣብ ግዜኡ ምፍጻምን ካብ’ቶም ዝልለየሎም ዝነበረ ጠባያት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ንእሰነቱ ብቋንቋ ጥልያን ስለ ዝተማሃረ፡ ስዉእ ብዮ ጽቡቕ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ጣልያን ነይርዎ።
ብዮ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ሓድጊ ገዲፉ።

ንኩቡራት ስድራ ቤቱን ንኩሎም ተቓለስቲ ብጾቱን ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበኩም ብምባል፡ ነቲ ስዉእ ብዮን ዝሓለፉ ብጾትናን ክሳብ ዝስውኡ ዝተቃለስሉ ዕላማታት ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻዕ ቃልና ነሕድስ። ንሓርበኛ ብጻይና ብዮ ዓብደላ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ገነት ይቀበሉ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8584

Posted by on Jun 17 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net