መግለጺ ሓዘን

 

ብዕለት 17 ሰነ 2014 ኩቡር ሃገራዊ ተቐላሳይ ኣቶ መዋእል መብራህቱ፡ ካብ’ዛ ዓለም ኣብ ዓዲ ስደት  ብሞት ምፍላዮም ብምስማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና፡

 

ኣቶ መዋእል መብራህቱ፡ ኣንጊሆም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ብዓቢ ኒሕን ፍናንን ካብ’ቶም ዝተቓለሱ  ተበዓት ሃገራዊያን ሓደ ምንባሮም ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ኣባል ፓርላማ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትና ብ1970 ኣብ ዖናን በሰክዲራን ብሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መቕዘፍቲ ምስ ተሰምዐ፡ ኣቶ መዋእል ኣብ ኣኼባ ናይ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ድንብርጽ ከይበሎም ብትብዓት፡ እዚ ኢ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ክዅነንን ናቱ ተሓተቲ ሰበ ሰልጣን ድማ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ቀሪቦም ክሕተቱ (QuestioninginParliament) ጠለብ ከም ዘቕረቡ ዝተፈልጠ ኢዩ። ቀጺሎም ኣቶ መዋእል ምእንቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ከይሰልከዩ መብዛሕቱ ክፋል ካብ ዕድሜኦም ዝተቓለሱን ዓቢ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ሃገራዊ ባእታ ኢዮም።

 

ከም ኣቶ መዋእል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራውያን ባእታታት ኣብ ሃገሮም ከቢሮም ከይነብሩን፡ ዕለተ ሞቶም ምስ ኣኸለት ከኣ ኸቢሮም ኣብ መሬት ዓድቦኦም ሓመድ ኣዳም ከይለብሱን፡ በብሓደ ኣብ ስደት ክሓልፉ ምርኣይና፡ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ዘይቅቡል ኩነታት ንክቕየር ኩላህና ሃገራውያን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንሃገርናን ህዝብናን ካብ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ንከነገላግሎ ቃልስና ከንሕይል ሓላፍነትና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ከምኡ ምስ ንገብር ጥራሕ ኢና ከኣ፡ ሕድሪ ናይ’ዞም ኩሎም ዝስዉኡ ዘለዉ ሓርበኛታት ኣብ ግብሪ ዝውዕል።

 

ብስመየን ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ደጊመ መሪሕ ሓዘና ብምግላጽ፡ ንሓርበኛ ኣቶ መዋእል መብራህቱ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፡ ንኩቡራት ስድራ ቤቶምን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።

 

 

ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ.

19/06/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8626

Posted by on Jun 20 2014 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net