News

ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓዲሽ ዓመተ ትምህርቲ ምስ 666 ተመሃሮ ጀሚራ

ቤት ትምህርቲ ስደተድኛታት ቈልዑ ኤርትራ ኣብ ወዲ ሸሪፈይ: ሓዲሽ ዓመተ ትምህርቲ 666 ተመሃሮ ብምምዝጋብ ብዕለት 15 ሰነ 2014 ስሩዕ ትምህርቲ ጀሚራ። እዚ ንመበል 31 ዓመት ዝኽፈት ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ: 281 ኣዋልድ: 385 ከኣ ኣወዳት መዝጊቡ። እቶም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ 8ይ ክፍሊ ዝመሃሩ ተመሃሮ ካብ 6 ክሳዕ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ኢዮም።

መንግስቲ ሱዳን: ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ካብ መንግስቲ (ሕቡራት መንግስታት) ዝረኽቡ ስድራ ቤታት: ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ እንተ ሰዲዶም ሓገዝ ከምዘረኽቡ ስለ ዘፍለጡ: 11 ዝኾኑ ተመሃሮ ናብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ክቕይሩ ተገዲዶም።

wedSherfySchool

እዛ ብቐይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ: ኣብቲ ከባቢ እታ ዝዓበየት ቤት ትምህርቲ ኢያ። ዝዓበየት ናይ መንግስቲ ሱዳን ቤት  ትምህርቲ 250 ተመሃሮ ትውንን። ሓውሲ ከተማ ዝኾነት ወዲ ሸሪፈይ ክሳዕ 30,000 ዝበጽሑ ኤርትራያንን ሱዳናውያንን ይነብሩዋ። ኤርትራውያን ብብዙሕ ምኽንያታት ደቆም ናብ ቤት ትምህርትና ክሰዱ ከም ዝመርጹ ይፍለጥ። (ዝርዝር ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጸገማትን ንጥፈታት ቤት ትምህርትና ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ክንዝርግሕ ኢና።)

ብ1984 ካብ እትምስረት ብማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ኢያ እትመሓደር።

እዚ ስዒቡ ዘሎ ሰለዳ ዝርዝር ቊጽሪ ናይ ሓደስቲ እተመዝገቡ ተመሃሮ ዘርኢ ኢዩ፣

Breakdown of registered students for 2014-2015 academic year

Class Male Female Total
1st Grade “A” 44 22 66
1st Grade “B” 31 19 50
2nd Grade “A” 34 25 59
2nd Grade “B” 28 29 57
3rd Grade “A” 40 22 62
3rd Grade “B” 37 26 63
4th Grade “A” 23 16 39
4th Grade “B” 27 20 47
Grade 5 45 28 73
Grade 6 40 40 80
Grade 7 19 17 36
Grade 8 17 17 34
Grand Total 385 281 666

ኣብ ላዕሊ ከም ዝርኤ: ኣብ 5ይን 6ይን ክሳዕ 80 ቈልዑ ብሓንሳእ ክመሃሩ ይግደዱ። ኣዚ ከኣ ባጀታዊ ጸገማት ዘምጽኦ ክውንነት ኢዩ።

ነዚ ናይ ሓዲሽ ዓመተ ትምህርቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም: ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ንዂሎም እቶም ክሳዕ ሎሚ ነዛ ቤት ትምህርትና ኣቓልቦ ዘይገበሩ ኤርትራውያንን መሓዙት ህዝብናን ክሕግዙና ንጽውዕ። ከምኡውን በዚ ኣጋጣሚዚ ነታ ቅድሚ 9 ዓመታት ኣብ ስዊዘርላንድ ቈይማ ዓቢ ሓገዝ ከተበርክት ዝጸንሔት ማሕበር ኣሲ (ASEE, Association Suisse Enfance-Erythrée) ደጊምና ኣብ ክንዲ ዘኽታማት ደቂ ስደተኛታት ኰንና ዕዙዝ ምስጋና ነቕርብ።

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top