Articles

ዕላል ወሓላሉ

ብፍረወይኒ ሃብተማርያም (@Gual Wehaletat) በርሊን/ጀርመን 27.07.2014

„መርገጽ ድኣ ይሃበኒ እንበር፡ ውሕልነትሲ ካብ ጥቁዋት ኣዴታተይ ይመሃሮ“

ዕላል ኣደን ሓታቲት ጓላን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ብቋንቋ ሓረስቶት፡

 

ጓል፡    ምምማይ ማለት እንታይ ማለት እዩ?

 

ኣደ፡     ምምማይ ዝበሃል ቃል ካብ እኽሊ ምእራይ ዝመጸ እዩ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ ንኽትመሚ ዝሰፈየቶ ሰፍኢ የድልያ፡ሰፍኢ እኽሊ ትመምየሉን ትኣርየሉ ስፈ እዩ። ሰበይቲ ነቲ ካብ ዓውዲ ዝኣተወ እኽሊ ትመምዮ መታን እቲ ሕጻ ኣብ እግሪ ክተርፍ፡ እኽሊ ናብ ላዕሊ ክኸውን። ምምማይ ነቲ እኽሊ ንኸተጽሪ እትገብሮ ስራሕ እዩ፡፡

ጓል፡     እቲ ሕጻ ከመይ ኢሉ ምስቲ እኽሊ ተሓዊሱ?

 

ኣደ፡     ሕጻ ካብቲ ዓውዲ ምስቲ እኽሊ ይኣቱ።

 

ጓል፡     ካብ ዓውዲ? ከመይ ኢሉ?

Read mre : Elal WeHalalu_26.07.2014_by Freweyni Habtemariam

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top