ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

sesadu
ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ!
ዝኸበርኩም ኣመሓደርቲ መራኸቢ ብዙሓን!
ዝኸበርኩም መርበባት ብርገሳዊ ማሕበራት!
ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካዊ ውድባት!

ኣቀዲምና ልባዊ ሰላምታና ነቅርብ።

ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ንጡፋት ውልቀሰባትን ብሳላኹም ውፍያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ
ነቲ ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ ዕለት 3 ነሓሰእ 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ፈስቲቫል ህግደፍ ንምቅዋም ብኣካል ኩሉ ግዜኹምን ገንዘብኩምን ኣወፊኹም ምሳና ክልተ መዓልቲ ዝወዓልኩምን፣ ከምኡ ድማ ነዚ ሰልፊ ንምዕዋት ገንዘባውን ሞራላውን ደገፍ ዝሃብኩምና ብልቢ ነመስግን፣ ቀጺልና ድማ ብሳላኹም እቲ ሰልፊ ዕዉት ነሩ፣ በዚ ምኽንያት ኣገናዕ ንብለኩም።

ናይ ሎምዘመን ስልፍና ብኩሉ መዔቀኒታቱ ዕዉት ከምዝነበረ ወላ እቶም ናብ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ መስኪሮምሉ ኢዮም፡፤ ምስዚ ናይ ምስጋና መልእኽትና ርኽክብና ቀጻሊ ኮይኑ ናብ ድልዱል ተቃውሞ ብሃገርን፣ ዞባን ፣ ኣህጉራውን ደረጃ ገጽና ክንምርሽ ፣ሰብ ዓቢይ ተስፋ ኢና።

ምስ ሰላምታ

ጽላል ስዊደናዊ ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ ስዊደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8805

Posted by on Aug 16 2014 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net