ቤት ማሕዩር ብድሆ መሽቆራቑር ሕሰም

By Brhan Tesfa  

ቤት ማሕቡስ ብድሆ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ሆስፒታል ሓሊበት ዘሎ ኩርባ ዝተደኮነት ቤት ማእሰርቲ እያ፡፡ ኣብ መንጽራ ድማ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብድሆ ንረክብ፡፡ ነዛ ቤት ማእሰርቲ ዝተዓደለ ስያመ ብድሆ ዝብል ካብቲ ቀዳማይ ስያመ ቤት ትምህርቲ ብድሆ ዝነቐለ እዩ፡፡ ዝገርም እዩ ዜጋታት ዝግፍዕሉን ዜጋታት ዝህነጽሉን ንክልተ ተጻራሪ ዕማም ዘለዎ ትካላት ዝውክል ሓደ ዓይነት ስያመ፡፡ ማሕዩር ብድሆ ስሩዕ ህንጻ ኮነ ክሊ የብሉን፡፡ ዝርከበሉ ቦታ ሰብ ብዙሕ ዘይደፍሮ ጽምጻዊ ሓውሲ በረኻ እዩ፡፡ ብጀካ ኣብ ሰጣሕ ዘላ ኬላ ከም መእተዊ ኮይኑ ዘገልግል ጌት መሰል መዕገቲ ሓጹር እኳ የብሉን፡፡ ንሸነኽ የማን ካብ ኬላ ትርከብ ከም ቤት ጽሕፈት ኮይና እተገልግል ኮንተኔርን ካብኣ ፍንትት ዝበላ ቑንጣሮ ህድሞታት መንበሪ ሓለዋ እቲ ቤት ማሕዩር ዝነብሩለን እየን፡፡

ቤት ማሕቡስ ብድሆ ቅድሚ 4 ዓመት ክትምስረት ከላ ነቑጣ ስታፍ ቁጽጽርን ስነስርዓትን ሰሜን እዝን ምክትታል ዶባትን ኮይና ንምግልጋል ዓሊማ ቆይማ፡፡ ብዘይካ ብሃታሃታ ዝተሰርሓ ዉሑዳት ሃዳሙን ኮንተኔርን ካልእ ኣይነበራን፡፡ ብወጅሃላይ ኣቃውምኣን ኣብ ለጋስ ቦታ ብምዃናን ብዛዕባ ህላወኣ ብዙሕ ዘድህበላ ኣይነበረን፡፡ እቲ እዚ ሰሜንን ምክትታል ዶባትን እውን ፈለማ ከምዝሓሰቦ ከም ቤት ጽሕፈቱ ብዙሕ ኣይተጠቐመላን፡፡ ተኽለ ማንጁስ ሞጎስን ሽመትን ብውልቀ መላኺ ረኺቡ መተካእታን ካልኣይን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተሓሲቡ ንዝቖመ “ህዝባዊ ሰራዊት” ከቑምን ክመርሕን ሽመት ምስተዓደሎ ቤት ማሕቡስ ብደሆ ምስጢር ኣደባባይ ኮይኑ፡፡

መቐናቕንቲ ተኽለ ማንጁስ ዝኾነ ጀነራል ፍሊጶስ ዘማሕደረን ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይ ስርዋ፡ ዓዲንፋስ፡ ዓላ …ወዘተ ኣብያተ ማእሰርትታት ሰራዊት ተኽለ ማንጁስ ማለት “ዕጡቕ ህዝቢ” ዝገፈፎም ኮኑ ኣጽንሑልና ዝበልኹም እሱር ፍጹም ከይትቕበሉ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ስለዘውረደ ተኽለ ማንጁስ ንግዳያቱ ዝኸውን ስፍራ ከናዲ ተጓይዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ነተን ዝጸንሓ ኣባይቲ ብድሆ ትሕቲ መሬት መሐየሪታት ኣብ መወዳእታ 2012 ከምዝገፍሕ፡ ከምዝዓሙቕን ብመጠን ከምዝውስኽን ገይሩ፡፡ በዚ ከኣ ቤት ማሕቡስ ብድሆ ካብ ተኽለ ማንጁስን ጨፈርቱን ዝኾረዩ ውልቀሰባት ዝጭወይላ ቦታ ናብ ሓፋሽ ዝከላበተላ ስፍራ ተቐይራ፡፡

ደቂ ተባዕትዮ ዝዳጎንለን 3 ትሕቲ መሬት ሸላታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዳጎናሉ ሓደ ሸላ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኩርባ ተደኲነን ይርከባ፡፡ እቲ ትሕቲ መሬት ወይ ኣንደራት ብእምኒ ተነዲቑ ፎኪስ ቶኖኮ ዝተሃርመ እዩ፡፡ ምድርቤቱ ሓመድ፡ ናሕሲ ድማ ብሓመድ ዝተደብደበ ብርብራብ ቐላሚጦስ ዝቖመ እዩ፡፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝዳጎንለን ኣንደራት የማነይቲ፡ ማእከለይቲ፡ ጸጋመይቲ ተባሂለን እንክጽውዓ እታ ናይ ደቂ ኣንስትዮ “እንንዳ ኣዋልድ” ይብሉዋ፡፡ ስፍሓት ኣንደራት ደቂ ተባዕትዮ ሕድሕዱ 4 ብ15 ሜትሮ ኮይኑ ዕምቆቱ ንምድሪ 2 ሜትሮ እዩ፡፡ እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 4 ብ7 ሜትሮ እዩ፡፡ ነብሰወከፍ ኣንደር 20 ብ30 ሳንቲ ሜትር ዝምግፍሑ መሳኹቲ ኣለዎ፡፡

ነፍሲወከፍ ናይ ተባዕትዮ መሐየሪ ኣንደር ኣጸቓቒጦም ክሳብ ክሳብ 100 እሱር ይዳጉንሉ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን (መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2014) ግን ጀነራል ፍሊጶስ ክቐናንሰሎም ብዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣብታ የማነይቲ ኣንደር 60 እሱራት፡ ኣብ ማእከለይቲ ኣንደር 90፡ ኣብ ጸጋመይቲ ድማ 68 እሱራት ሒዘን ይርከባ፡፡ ኣብቲ  “እንዳ ኣዋልድ” ድማ 26 ደቂ ኣንስትዮ እሱራት ኣለዋ፡፡

ኩነታት እቲ ቤት ማሕቡስ ኩሉ ኣንደራት ጸልማት እዩ፡፡ ብፍላይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣንደራት ማዓጹን ኩሉ ሻዕ ዕጹው ስለዝኾነ ብርሃንን ኣየርን ዝበሃል ኣይኣትዎን፡፡ እታ ኣብ ኣፍ ደገቤት ተንጠልጠለት ናይ 20 ዋት ልቺ (ኣንፑል) ከም ኩሉ ናይ ኣስመራ ውልዕ ህልም ምባላ ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ እቲ ኣንደር ክተብርህ ዓቕሚ የብላን፡፡ እተን ናእሽቱ መሳኹቲ ብደጊአን ዝተሸፈና ስለዝኾና እኹል ዝኣቱ ኣየር የለን፡፡ በዚ ምኽንያት ትንፋስ እሱራትን ረሃጽ ኣካላቶንም ዝፈጥሮ ጨና ኣይኮነን ነቲ የዋህ ኤርትራዊ ዜጋ ነቶም ህዝቢ ዘሳቑዩ ጸላእቲ ህዝቢ ዝኾኑ መራሕቲ እኳ ኣይትምነየሎምን፡፡ ምስ ሽታ እቲ መዕቖሪ ሽንቲ ማይ ዝጥቀምሉ ኣብ ናሕሲ እቲ ኣንደራት ዝንጥልጠል ቆራዕራዕ ጎማታት መትሓዚ ማይ ተሓዊሱ ከኣ ክትዛረቦ እውን ዘጸይፍ ጨና እዩ ዘለዎ፡፡

ምሕደራ ቤት ማሕቡስ ብድሆ ብቐንዱ ኣብ ትሕቲ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኑ ክመርሖ ዝጸንሐ ከኣ ሌ/ኮሎኔል ወዲ ምስግና ሓላፊ ስታፍ እዚ ሰሜን ነይሩ፡፡ ካብ ምምስራቱ ክሳብ መጀመሪያ ዓመት 2014 ሜጀር እዮብ ኣርአያ ናይ ቀረባ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ፡፡ ገዲም ተጋዳላይ ባባ ዑስማንን ስምረት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣባላት ስታፍ ምምሕዳር ጸኒሖም፡፡ ብዘይካዚኦም እሱራት ዝምዝግቡ ዓቕሚ እሱራት ዝጽብጽቡ 5 ፐርሶኔላት ኣለው፡፡

እዞም ብተኽለ ማንጁስ ተመዚዞም ሓለፍቲ እቲ ቤት ማሕቡስ ዝጸንሑ ካብ በዓል ወዲ ምስግና ጀሚርካ ብምሉኦም ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ብምሉኦም ኣሲርዎም ኣሎ፡፡ ከም መተካእታ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ድማ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ነበር ዓንዶም ዝበሃል ብግዝያዊነት ነቲ ቤት ማሕቡስ ክመርሕ ጀነራል ፍሊጶስ መዲብዎ ኣሎ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ብተኽለ ማንጁስ ስለዝተደኮነ ጥራይ ቀስ ብቐስ ንከፍርሶ ከም መደብ ሒዝዎ ከምዘሎ እቲ ግዝያዊ ሓላፊ ዝተመዘዘ ዓንዶም የውሪ እዩ፡፡

ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ተመዲቦም ክሳብ ግዚኦም ክምርምሩ ዝጸንሑ መርመርቲ እሱራት ብድሆ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ እዚ ሰሜንን ምክትታል ዶብን ዝመላለሱ በዓል እድሪስ፡ ዮውሃንስ (ጆን)፡ ወልዱን ተስፋልደትን እዮም፡፡ ብፍላይ እድሪስ ብትዕቢቱን ጭካንኡን ኣብ ኣስመራ ዝተለለየ ሰብ እዩ፡፡ እድሪስ ምስ ንኡስ ዕድሚኡ፡ ድሕረ ባይትኡን ባህሪያቱን ዝጋራጮ ተግባራት ይፍጽም ጸኒሑ፡፡ ተጻዋቲ ኩዑሶ ጋንታ ሰላም ዝነበረ እድሪስ ኣባል 9ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት እዩ፡፡ ምጽዋት ኩዑሶ ምስ ሓደጎ ናብ ድለላ ገዛ፡ መኪናን ወርቅን ኣትዩ ኣብዚ እንዳነጠፈ እንከሎ ምስ ወርቂ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ምቅብባል ወረ ንኣባለት ጸጥታን ስለያን ተኽለ ማንጁስ ዝጀመረ እድሪስ በዚ ዝጀመሮ ለክበጥበጥ ከይደንጎየ ኣባል ስታስ ስለያ “ህዝባዊ ሰራዊት” ኮይኑ፡፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ ተጸጊዑ ኣብ ምጭፍጫፍን ምግፋዕን ህዝቢ ኣስመራ እጅግኡ ሰብሲቡ ተታሒዝዎ፡፡ እሙን ኣፈጻሚ ብምርካቡን ብእከይ ግብሩን ዝተሓጎሰ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ቪላጆ መንበሪ ገዛን መንቀሳቐሲት መኪናን ዓዲልዎ ነይሩ፡፡

ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ብምሻሙ ዘይቀደዎ እድሪስ ኣብዚ እዋን እዚ  ምስ ኩሎም ደቂ መዛምርቱ ኣብ ትሕቲ እሱርቤት ፍሊጶስ ኣትዩ ከምዘሎ ስለዝተፈልጠ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣስመራ ሕጉስ እዩ፡፡

እሱራት ብድሆ ምኽንያት መእሰሪኦም እንታይ እዩ፡፡ ዶብ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተረኺብኩም፡ ካብ ኣሃዱታትኩም ኮብሊልኩም፡ ካብ ማእቶትን ሓለዋን ከባቢ ኣብኩርኩም፡ ካብ ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊት ተሓቢእኹም፡ ብሃይማኖት ስብከት ዝሕመዩ፡ መንቀሳቐሲ ዘየጽንሑ መንእሰያት፡ ዘይዓጠቑ ሳዋ ዘይወረዱ ልዕሊ ዕድመ ዜጋታት፡ ዝብል እዩ፡፡

ብፍላይ ከኣ ልዕሊ 17 ዝዕድሚኦም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ነፍሰ-ወከፎም ዓመታዊ 700 ናቕፋ ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም፡፡ እዚ ግብሪ እዚ ካብቲ ዝተገልጸ ዕድመ ንላዕሊ ዝኾነ/ነት ዋላ ሓደ ስድራ ይኹኑ፡ ስራሕ ይሃለዎም ኣየሃልዎም ብዘየግድስ ክኸፍሉ ይግደዱ፡፡ ንዓዶም ከይወጹ እውን ይዕገቱ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ  ንኢትዮጵያዉያን ዝተኣወጀ ሰዓት እቶእቶ ኣሎ፡፡ ካብ ሚሸት ሰዓት 8፡00 ንደሓር ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ኢትዮጵያዊ ተሓታቲ እዩ፡፡ ስለዚ ዓመታዊ ግብሪ ዘይከፈሉ ዓቕሚ ዝሰኣኑን ኣብ ሕላፍ ሰዓት እቶ እቶ ዝተረኸቡን ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ምስቶም ግፉዓት የሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ዝእሰሩ ኣለው፡፡

እቲ ካልእ መእሰሪ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ምህናጽ ኣባይቲ ጠጠው ካብ ዝብል ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ ንዝነበሮ ስሜንቶ ከይበላሸዎ ወይ ንዝተጀመረ ክምልእ ክልስን ክነድቕ ዝጸንሐ ወናኒ እቲ ህንጻን ብሞይኡ ዝሰርሕን ኤርትራዊ ተታሒዙ ይእሰር፡፡ እቲ ካልእ ኣብዚ እዋን ገኒኑ ዝረአ ዘሎ ስርቂ፡ ክትራን፡ ባእሲ፡ ሓወላ፡ ኮንትሮባንድ፡ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን ዝተሸጠ ኣቑሑት፡ ናይ ሲና ገንዘብ ተቐቢልኩም ዝብሉ መእሰሪ ምኽንያታት እውን ኣለው፡፡ ኮታስ ብድሆ ኩሉ ንእትግፍጦ እሱር እትብይነሉ ሕጋዊ መስርሕ ዘይብላ ተኽለ ማንጁስን ጭፍርኡን ንዝደለይዎ ሰብ ዘበስብሱላ ስፍራ ኮይና እያ ጸኒሓ፡፡

ሕዩራት ብድሆ ከም ብዊንቶኦም ዝሰፈሩዋ ኩሉ ዘድልዮም ናይ መነባብሮ ኣቑሑት ካብ ጅበኦም ኣውጺም ክዕድጉ ይግደዱ፡፡ ድስቲ ኩስኩስቲ፡ ኩባያታት፡ ጀሪካናት፡ መደቀሲኦም ተንኮቦት፡ ኣዋጺም ብሰልዶም ይዕደገሎም፡፡ እንክሓሙ ዝጥቀምሉ ፈውሲ (መድሓኒት) ከይተረፈ ካብ ጅብኦም ክዕደገሎም ይእዘዙ፡፡ እንተዘይብሎም እሱራት ኣዋጺኦም ይዕድግሎም፡፡ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ድማ ኣይፍቀደሎምን፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣይቀርቡን፡፡

መግቢ እሱራት ንጉሆ ሓንቲ ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ሓንቲ ኩባያ ሻሂ፡ ምሳሕን ድራርን ንነፍሰ ወከፍ እሱር 2 ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ብማይ ዝተጀለሐ ጸብሒ ዓደስ ይቐርበሎም፡፡ እሱራት ዕድል እንተገይሮም ዝተሓተ ኣብ ክልተ ሰሙን በቢጉጅለ ይሕጸቡ እዚ ከከምኩነታቱ’ምበር ስሩዕን ግዴታን ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ግዜ ይትረፍ ንምሕጻብ ዝስተ ስኢኖም በዝሒ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣንደር ዝፈጠሮ ጸቕጥን ሃሩርን ብሕጽረት ዝስተ ማይ ብሓያል ጻምእ ተሰኒፎም ሃላዋቶም ኣጥፊኦም ዝወድቅሉ እዋናት ኣሎ፡፡  እቲ ማይ ብቦጥ እዩ ዝቐርበሎም፡፡

ኣደቓቕሳ እሱራት ኮርቴሎ ብዝበሃል ዓይነት እዩ፡፡ መደቀሲ ቦታ ጸቢብዎም መገላበጢ ስኢኖም ዓቕሎም ጸቢብዎም ዶው ኢሎም ኣብቲ መንድቕ ተጸጊዖም ቀም ከብሉ ይፍትኑ፡፡ እሱራት ተፈጥሮ ዝለገሰትሎም ጽሩይ ኣየርን ጸሓይ ብርሃንን ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን፡፡ ንጉሆን ኣጋምሸትን በቢ20 ተኸፋፊሎም በቢእብረ ብየማን ብጸጋም ብድሕሪት ብዕጡቋት ተዓጂቦም ናብ ሽቓቕ እንክኸዱ ጥራይ ንኣስታት 10 ደቓይቕ እዘን ተፈጥራዊ ሂያባት ንእግረ መገዶም ይረኽቡ፡፡

ንበዓል ጸጋ (ገንዘብ) ካብ ማሕዩር ብድሆ ምውጻእ ቀሊል እዩ፡፡ 10 ሺሕ ናቕፋ ኣብ ኢድ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማሕዩር ምጭባጥ ጥራይ እዩ ዘድልየካ፡፡ ሰልዲ እንተለካ 10 ሺሕ ናቕፋ ጉቦ ብምኽፋል ይትረፍ ንኣዋርሕ ንዓመታት ካብ ምእሳር ዋላ ንሓንቲ ካብቲ ቦታ ምድሓን ዓቢ ዕድል እዩ፡፡ እንተዘይብልካ ግን እንታይ ትገብር፡፡

ስለዚ ማሕዩር ብድሆ ካብተን ኣብ ከተማና ኣስመራ ምልኪ ውልቀ መራሒ ሃገርና ዝሃነጸንን ዝወለደንን መሽቆርቆራት ሕሰም እያ፡፡ ኣካል ናይቲ መሰላትን ሰብኣዊነትን ዜጋታትና ብምድሃኽ ህልውን መጻእን ዕድላት ህዝብና ዘባኽን ዘሎ ኣብ መላእ ሃገር ዘስፋሕፈሐ ስርዓተ ማሕቡስ ድማ እያ፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8810

Posted by on Aug 17 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net