ኣገዳሲ ሓበረታ ብዛዕባ ንጥፈታት ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ- ስዊደን

sesadu

ኣገዳሲ ሓበረታ ብዛዕባ ንጥፈታት ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ- ስዊደን

ብኣካያዲት ኮሚተ

ወርሒ መስከረም 1961 ተጋድሎ ሕዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት፣መበል 53 ዓመት አንዝክረላን፣ መስከረም 18 -2001 አቶም 15 ኣባላት መንግስትን ሓለፍትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝሓተቱ ብውልቀ- መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝተሞቁሑሉን መበል 13 ዓመት አንዝክረሉን ወርሒ ናጽነትን ሓርነትን ዝሓዘት ወርሒ ብምዃና ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያን ዮሃና ይብል።

ኣብዚ ወርሒዚ ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ክልቲኡ ታሪኻዊ ተረኽቦታት ክዝክሮን ከኽብሮን መደባት ሓንጺጹ ከምዘሎ በዚ መግለጺዚ ንኩሎም ተቀማጦ ስዊደን ክሕበር ይፈቱ።

ሕዝብና ናብ ሓደጋ ተሳጢሑ ናብ ብርሰት ገጹ ካብ ዝኸይድ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ፣ አቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ዋሕዚ ስደትን ኣብ ስደቶም ዝጓነፎም ዘሎ ስቅያትን ሞትን ኢዩ፣አዚ ድማ ንመላአ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዘጉሃየን ዘተሓሳብን ኮይኑ ጠንቁ ድማ አቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆናን ሰብኣዊ መሰል ግህሰታትን ምዃኑ ንኩሉ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ። ኣብ ዝመጽአ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ጽላል ኤርትርዋኢ ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታትን ዝገጥሞም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋታትን ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ተረኾቦ ላምፐዱሳ አቶም ገና ግቡአ ሰነ-ስር ዓት ቀብሪ ዘይረኸቡ 360 ኤርትራውያን ንምዝካር መደባት ኣብ ምውጻአ ይሸባሸብ ኣሎ። ብዞባ ኤውሮጳ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ኣብ ምስታፍን ምውህሃድን ምስታ ኣዋሃሃዲት ኮሚተ ላምፐዱሳ ድሮ ርኽክባት ተጀሚሩ ከምዘሎ ንኣባላት ጽላልን ካልኦት ተሓባበርትን ክንሕበር ንፈቱ።

ኣብ ስዊደን ድማ ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንግዳያት ላምፐዱሳ ንምዝካር ንኩሉ ዘሳትፍ ጽንብል ክውድብ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ ኣሎ፣

ጽላል ኤርትራዊ-ስዊደናዊ ንደምክራስያዊ ለውጢ ቦታዊ ውደባ ኣብ ሃገረ ስዊደን ብፖሊቲካውን፣በርገሳውን፣ውልቀ-ሰባትን ዝቆመ ናይ ሓባር ማሕበር ኢዩ። ሓላፍነቱን ስራሑንድማ፣

  1. ብሓባር ሃገራዊ በዓላት ምኽባር
  2. ብሓባር ሰላማዊ ሰልፍታት ምውዳብ
  3. ብሓባር ጥርዓናትን መዘክራትን ናብ ዝምልከቶም ምቅራብ
  4. ብሓባር ናይ ሓበረታን ኣፍልጦን ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ዓውደ-ልዝባትን ምኽያድ
  5. ብሓባር ናይ ልምዓትን ረድኤትን ስራሓት ምኽያድ

አዚ ጽላል አዚ ብዕሊ ካብ ዝምስረት  6 ዓመት ገሩ ኣሎ ኣብ ናይ ስዊደን ናይ ዘይመኽሰባዊ ትካል ድማ ምዝጉብ ኢዩ። ኣባልነት ንኩሉ ክፉት ኢዩ፣ ኣብ ዓመት ዓመት ጉባኤኡ ይገብር፣ መራሕቱ ድማ ይመርጽ፣ ቕዋምን ሕግታትን ቅርጽን ድማ ኣለዎ።

በዚ ሓበርታዚ ድማ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ክትሓባበሩን ክሳትፉን ብኽብሪ ይጽውዕ።

 

ምስ ሰላምታ

ኣካያዲት ኮሚተ- ሰሳዱ/SESADU

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8850

Posted by on Sep 1 2014 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net