ታሪኻዊ ኣስተምህሮ ብግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፓ)

girmay kidane seminar 9 2014

ብኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ዝተዳለወ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፓ) ብዕለት 13ን 14 መስከረም 2014 ኣብ በርሚንጋሃምን ሎንደንን እቲ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ኤርትራ ሓቀኛ ታሪኽን ኣባጋግስኡን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ። ወዲ ፍሊፓ ኣተሓሒዙ፡ ንሓዲሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ታሪኽ ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ምውራስ፡ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብቲ ምንቅስቃስ ኤርትራ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝነጠፍና ናይ ዕድም ጸጋ ሂቡና ጌና ብህይወትና ዘለና ናይ ዓይኒ ምስክር ሓላፍነት ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ቅኑዕ ታሪኽ ምውራስ፡ ንደምበ ተቃውሞ ኣሕይሉ፡ ነዚ ብዘይ ናይ ህዝቢ ድልየት ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ስርዓት ሸፋቱ ካብ ስሩ ሚሒኻ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንድርብዮ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ። ኣብ መጨረሽታ፡ ነዛ ኣዚና ክቡር ዋጋ ከፊልና ዝረኸብናያ ሃገር ንምምቃል ዝእለመልና ዘሎ ውዲታት ንምቅላዑ ፡ ሓድነትና ኣደልዲልና ብዘይ ውዓል ሕደር ምግጣሙ ህጹጽ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

 

ኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም-በርሚንጋሃም

17.09.2014

ecfbir@yahoo.co.uk

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8911

Posted by on Sep 21 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net