ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራውን ውድባውን ግደኡ ንምዕዛዝ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።

ሽማግለ ዞባ ዝጸወዖ ብ20 መስከረም 2014 ናይ መሰረታት .... ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣገዳሲ ኣኼባ ብምክያድ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ህልዊ ኩነታት ህ...ፍን፣ ከምኡ’ውን ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን፣ ኩነታት ...ኤን ኣመልኩቱ ዓሚቝ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ብሽማግለ ዞባ ብዛዕባ’ዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ሰፊሕ መግለጺ ኣብ ርእሲ ምቕራቡ፣  ብዛዕባ’ቲ ብመሪሕነት ውድብ ዝተማእከለ ኣብ ኤውሮጳን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ሰሚናራትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ኣገዳሲ ሓበሬታ ተዋሂቡ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣኼባ ዞባ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ .... ድሕሪ 2 ጉባኤ ዝተኸስተ ቅልውላውን ንሱ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ድኽመታትን፡ ውድብና ብሓፈሻ፡ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ብፍላይ፡ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ምርብራብ፡ መሪሕ ተርኡ ካብ ምጽዋት ቦኺሩ ከም ዝጸንሐ ኣረጋጊጹ። ሕጂ ግን ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ ምክያድን ኣገዳሲ መደባት ሒዙ ብምብጋስን፡ ውድብና ብሳላ ጽኑዓትን ውፉያትን መሰረታቱን መትከላውያን መራሕቱን፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ ይምለስ ብምህላዉ ኣኼበኛታት መጎሶም ገሊጾም። ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ልሉይ ተመክሮታትን ዓቕምታትን ኣባላቱ ብግቡእ ብምዝውታር፡ ፍናንን ሞራልን ዘልዕል ናይ ርሑቕን ቀረባን መደባት ከም ዝሰርዐን፡ ሃገራዊ ግደ ውድብና ንምዕዛዝ ካብኡ ዝጥለብ ኩሉ መዳያዊ ኣስተዋጽኡ ንከበርክት ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ ምህላዉን ክንሕብር ንፈቱ። ከምኡውን ምስ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ሱዳን፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኢትዮጵያን ካናዳን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ውድብና  ኣካሉ ኮይና ንምሕያሉ ክንቃለስ፡ ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላውና ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ንሓድነት ደንበ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ሸነኻቱ ንምዕዋት፡ መትከላዊ እምንቶ ውድብና ብምዃኑ፡ ምስ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ሃገራውያን ሓይልታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንቃለስ ድሉዋት ምዃንና ኣኼባና ብብሩህ ኣቐሚጡ።

 

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ክንዕወት ኢና !!

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”!

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

20/09/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8919

Posted by on Sep 25 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net