ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ህዝቢ እናተበታተነ፡ እቲ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ምንዋሕ ከም ቀዳማይ ምርጭኡ ዝወሰደ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ውን ንህዝቢ ንምትላልን ንመንእሰያት ጅሆ ንምሓዝን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምውራር ምሽብሻብ ትገብር ኣላ ዝብል ሓድሽን ጽዑቕን ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ። እዚ ስልቲ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንመበል 28 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት (ሃገራዊ ዕንወት) ዘጋጠሞ ጭቡጥ ተቓውሞ ብምዝሕሓል፡ መንእሰያት ንምግፋፍ ክጠቐመሉ ዝምህዞ ዘሎ ኣጉል ሽጣራን ሽሕጣንን ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። እዚ እከይ ዕርቓኑ ዝወጸ ጎስጓስ’ዚ፡ ንዜጋታት ዘረጋግእ ዘይኮነስ፡ መሊሱ ዘበርግግ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ካብቲ ዝነበሮ ናህሪ ብምውሳኹ፡ ካብ 15 ክሳብ 17 መስከረም 2014 ዘሎ እዋን ልዕሊ 350 ዝኾኑ፡ 108 ደቂ-ኣንስትዮ፡ 50 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ኣውራጃ ከሰላ ሱዳን ምእታዎም፡ ኣብቲ ምስግጋር ዝነበረ ጉዕዞ ድማ ካብ 10 ዘይውሕዱ ዜጋታት ብሓለዋ ዶብ ህግደፍ ከም ዝተቐተሉ፡ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሓቢሮም።

 

  1. ኣብዚ ወርሒ’ዚ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ንግብጺ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ገሉጅ ጀበል ሓምድ፡ ከባቢ ባረንቱ ኣውላ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታታት ንግብጺ ወተሃደራውን ስለያውን ስርሓት ንምክያድ ራዳራት ትተኽለሉ መደበራት ንምሃብ ናብ ስምምዕ ምብጽሑ ተሓቢሩ። ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ናብ ስምምዕ ብድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓደ ጉጅለ መጽናዕቲ ካብ ግብጺ ንኤርትራ ኣትዩ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ኩሉ ወጻኢታት ናይቲ ዝህነጽ መደበራትን ዝተኸል ራዳራትን ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝሽፈን ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

  1. ጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ ገባቲ ኢሳይያስ ድማ ብፍላይ ንህዝቢ መሰረታዊ ቀረብ ዘይምቕራብ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና………..ወዘተ ዘይምሃብ መቐጸልታ ናይቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምብታንን ንምጥፋእን ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ፖሊሲ ምዃኑ፡ ገለ ምሁራት ኤርትራ ኣረዲኦም። መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ እቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ፖሊሲ ምብትታንን ዕንወትን ፖሎቲካዊ ትርጉሙ ይኹን ርሕቀቱ ብምግንዛብ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ሓላፍነቶም ክብ ከብሉ’ውን ጸዊዖም።

 

  1. ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብኩሉ-መዳያዊ ደገፍ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንምስላኽ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዲጋ ኣባይ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ድማ ብፍላይ፡ 280 ዝኾኑ ብኣፍ ድቡእ መአይተ ኣትዮም ኣብ ከባቢ ዳንሻ ዝርከብ ሕርሻታት ተዘርጊሖም ምህላዎም ተገሊጹ። እቶም 620 ብመሬት ሱዳን ክኣትዉ ተታሒዙ ዝነበረ መደባት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዕ ተሰናኺሉ፡ ኣብ ሓሬና ዓስኪሮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ-ኤስደለ

24 መስከረም 2014

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8921

Posted by on Sep 25 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net