ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ!

ዕለት 05/10/2014

ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ምንቕስቓስ ብጾት ተጋደልቲ፡ ገዛኢ ኪዳነ ሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ደበሳይ ወልዳይ ስክረተር ኮሚሽን ቁጽጽርን ምጽራይን ዝርከብዎ ላዕላይ ልኡኽ ግ.ሃ.ድ.ኤ ብዕለት 02 10 2014 ምስ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኡን (ክልል ትግራይ) ዝርከቡ ካድራት ውድብን ኣባላትን ኣገዳሲ ኣኼባ ከም  ዘካየደ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተላዕሉ ኣጀንዳታት፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን፣ ኣብ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዝጸንሔ በታኒ ሓደጋታት፣ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውድባት ተሳኒኻ ክስርሑ ዘሎዎም ጉዳያት፡- ከምኡ’ውን ናይ ውልቆም ረብሓ እምበር ብጥፍኣትን ብርሰት ሃገርን ህዝብን ዘይግድሶም ደለልቲ ነጋዶ ሰባትን፡ ናብ ሕጊ ክቐርቡሉ ዝኽእሉ ኣገባባትን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ዝነውሔ ሰዓታት ናይ’ቲ ኣኼባ ዝወሰዱ ኣርእስቲታት ምንባሮም እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ።

ድሕሪ’ዚ ብጾት ገዛኢ ኪዳነን  ደበሳይ ወልዳይን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረብሎም ሕቶታት  ኣዕጋቢ መልስታት ድሕሪ ምሃብ ናይ ከተማ ሽረ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ቀጺሉ ብጻይ ገዛኢ ኪዳነን ሓላፊ ወትሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝመርሖን፡ ብጻይ ኣሕመዲን ናስር ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ሓላፊ ወትሃድራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈትን፡ ብጻይ ደበሳይ ወልዳይ ስክረተር ኮሚሽን ቁጽጽርን ምጽራይን ዝተሳተፍዎ ብዕለት 04 10 2014 ምስ ኣብ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ኣባላትን ካድራትን ውድብ ኣገዳሲ ኣኼብ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክግበር ዝጸንሔ ዕንቅፋታትን ኣጋጣጥማኡን ዝምልከት ንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዝወሰደ ምርድዳኣት ከም ዘካየዱ እቲ ዝመጸና ዜና ብተዋሳኺ ሓቢሩ።

ዑደት ኣባላት መሪሕነት ውድብ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ክቕጽል ምዃኑን ብምርግጋጽ ምስ ኣባላትን ምስ ህዝብን ከምኡ’ውን ምስ ሓለፍቲ ማሓዙት ውድባትን ጽዑቕ ርኽክባት ክካየድ ተመዲቡ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.         

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8945

Posted by on Oct 6 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net