NewsNotices

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ሽወደን ንሰንበት ዕለት 19/10/2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈሻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡

ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ ድማ ብፍላይ ብሰፈሑ ክዝተየሉ ምዃኑ ክንሕብር ደስ ይብለና።

ኣገዳስነት ናይ’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብምርኣይ፡ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ክሳተፉ ተስፋ ንገብር።

 

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡ ሺስታ ትሬፍ  Kista Träff

ዕለት፡ ሰንበት 19/10/2014 ግዜ፡  14፡00

 

ብደሓን ምጹ!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ሽወደን

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top