News

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

encdc-germany

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ጀርመን ንቀዳም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ ድማ ብፍላይ፡ ብሰፈሑ ክዝተየሉ ምዃኑ ክንሕብር ደስ ይብለና።

 

ኣገዳስነት ናይ’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብምርኣይ፡ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ክሳተፉ ተስፋ ንገብር።

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡  

Saalbau Bockenheim

Schwelmer Strasse 28

60486 Frankfurt

ዕለት፡ ቀዳም 25/10/2014ግዜ፡  13፡00 – 19:00ብደሓን ምጹ! ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ጀርመን

 

 

ንመጓዓዝያ ዝምልከት ሓበሬታ፥ ብባቡር  ኡባን 6 ወይ 7  (U6 oder U7) ክሳብ ላይፕሲገር ሽትራሰ (Haltestelle: Leipzigerstrasse) ትጓዓዙ። ድሕሪኡ ናብ ኩርፉርስተን ፕላትስ ገጽኩም ትኸዱ። ወይ ካኣ ኤስ ባን ቁ. 3, 4, 5, 6 ሒዝኩም ክሳብ ቬስት ባንሆፍ ትጓዓዙ (S3, S4, S5 oder S6 bis Frankfurt West) ካብኡ ናብ ላይፕሲገር ገጽኩም ክሳብ ኩርፉርስተን ፕላትስ ትኸዱ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top