News

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ጀርመን ከተማ ሽቱትጋርት ንሰንበት ዕለት 26 ጥቅምቲ 2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ ድማ ብፍላይ፡ ብሰፈሑ ክዝተየሉ ምዃኑ ክንሕብር ደስ ይብለና።

 

ኣገዳስነት ናይ’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብምርኣይ፡ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ክሳተፉ ተስፋ ንገብር።

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡  

Caritasverband Migrationszentrum

Spreuergasse 47

70372 STUTTGART BAD CANNSTATT

 ዕለት፡ ቀዳም 26/10/2014 ግዜ፡  13፡00 – 19:00
ብደሓን ምጹ!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ጀርመን

 

 

ንመጓዓዝያ ዝምልከት ሓበሬታ፥ ብባቡር  ኡባን 6 ወይ 7  (U6 oder U7) ክሳብ ላይፕሲገር ሽትራሰ (Haltestelle: Leipzigerstrasse) ትጓዓዙ። ድሕሪኡ ናብ ኩርፉርስተን ፕላትስ ገጽኩም ትኸዱ። ወይ ካኣ ኤስ ባን ቁ. 3, 4, 5, 6 ሒዝኩም ክሳብ

ቬስት ባንሆፍ ትጓዓዙ (S3, S4, S5 oder S6 bis Frankfurt West) ካብኡ ናብ ላይፕሲገር ገጽኩም ክሳብ ኩርፉርስተን ፕላትስ ትኸዱ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top