News

ሓበሬታ ጸብጻብ ኣኼባታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዕለት 05/07/2010 ጀሚራ ብዛዕባ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ተኸታታሊ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ትርከብ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ዝሓለፈ መስርሕ ምስንዳእ ገምጊማን፡ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣጽፊፋን ነጺራን፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ህዝብና ዝርከበሉ ሕጹያት ተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ውልቀ ሳባት፣ ናይ ዕድመ መልእኽትታት ሰዲዳ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምብራህ ዕላማታት ዋዕላ ዝገበርዎ ዓቢ ጻዕርን ደገፋትን ከምኡ እውን ኣብ ምዕዋት ዕለታዊ ስርሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን እናኣሞጎሰት፡ ምስንዳእ ስርሓት ናብ መወዳእታ ገጹ በጺሑን ዋዕላ ኣብ ዝተወሰነሉ ጊዜ ክጋባእ ምዃኑ ተረጋግጽ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

09/07/2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top