ሓበሬታ ጸብጻብ ኣኼባታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዕለት 05/07/2010 ጀሚራ ብዛዕባ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ተኸታታሊ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ትርከብ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ዝሓለፈ መስርሕ ምስንዳእ ገምጊማን፡ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣጽፊፋን ነጺራን፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ህዝብና ዝርከበሉ ሕጹያት ተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ውልቀ ሳባት፣ ናይ ዕድመ መልእኽትታት ሰዲዳ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምብራህ ዕላማታት ዋዕላ ዝገበርዎ ዓቢ ጻዕርን ደገፋትን ከምኡ እውን ኣብ ምዕዋት ዕለታዊ ስርሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን እናኣሞጎሰት፡ ምስንዳእ ስርሓት ናብ መወዳእታ ገጹ በጺሑን ዋዕላ ኣብ ዝተወሰነሉ ጊዜ ክጋባእ ምዃኑ ተረጋግጽ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

09/07/2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=926

Posted by on Jul 10 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net