ዜናታት ውሽጢ ሃገር

  • ብሓሙስ ዕለት 15/01/2015 ብሀለኮፕተር ዝተሰነየ ሓደ ምሉእ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ክሳብ 80 ዝኸውን ገዛውቲ ብሓይሊ ብምእታው፡ ነቶም ተቐማጦ ካብ ገዛውቶም ብምስጓግ፡ እቲ ገዛውቲ ብምሉኡ ከም ዝዓኑ ገይሩ። እቶም ካብ ገዛውቶም ብሓይሊ ዝተሰጉ ዜጋታት ኣብ ሓያል ቁሪን ኣስሓይታን ብምድራባይ ኣደዳ ስቅያትን ኣውያትን ኮይኖም ምህላዎም ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ኢ.ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንክገብር ዝደረኾ ጭቡጥ ምኽንያታት ንምፍላጥ፡ ምንጭታትና ዓቢ ጻዕሪ የካይዱ ምህላዎም ድማ ንሕብር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ዜናና፡ ወፍሪ ክተት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣመልኪትና ኣብ ዕለት 12/01/2015 ዝተገብረ ኣኼባታት ከም ዝፈሸለ ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ጸጥታዊ ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት ብዕለት 13/01/2015 ካብገዛ ንገዛ እናዘሩ ጽሕፋት ብምዝርጋሕ ምፍርራሕ ዝተሓወሱ ጎስጓስ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
  • ብድምሒት ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ኣተሃላልውኡ ኣብ ሃገርና ሓደገኛ ይኸውን ምህላዉ እሙናት ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ምልካዊ ስርዓቱ ኣብ ምሕላውን ምቕጻልን ቀንዲ ዝሙርኮሰሉ ሓይሊ፡ እዚ ናይ ድምሒት ሓይሊ ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ጠሊቑ ይኣቱ ብምህላዉ፡ ዕላማታት ናይ’ዚ ሓይሊ’ዚ እንታይ ምዃኑ ኣብ ህዝብና ዓቢ ጥርጣሬ ኣሕዲሩ ምህላዉ፡ ትርግታ ሓፋሽ ህዝብና ብደቒቕ ዝከታተሉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። ምስ’ዚ ብምትእስሳር፡ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ስፐይስ ዝተባህለ ዞና ኣብ ኣስመራ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንድምሒት ዓቢ ቤት ጽሕፈት ከም ዝዓደለ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
  • ብርእሲ ምራኽ ዝፍለጥ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትና ግፍዕን ቅትለትን ዝፍጽሙ መራሕቲ ክፍለ ሰራዊት፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከም እንደገና ዝለዓለ ሓላፍነት ብምሃብ ኣብ ስርሑ መሊስዎ ምህላዉ ተረጋጊጹ። ነቲ ዝነበሮ እከይ ስምን ዝናን ንምህሳስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ብምንቅስቓስ፣ ንህዝቢ ያኢ ክጥብርን ከደናግርን፣ ናይ ምንሳሕ ቃላት የስምዕ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም። በቶም ነንሕድሕዶም ኣብ ምስሕሓብ ዝርከቡ መኮንናታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ብርእሲ ምራኽ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ብሕጨጫ ከም ዝተቐበልዎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኪ ኣፍሊጡ።
  • ከተማ ኣስመራ ብሰንኪ ጉድለት ኢለትሪክ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ትርከብ ምህላዋ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ጸልማት ተኸዲኖም ዝነጥፉ ሰረቕትን ከተርትን እምበዛ በዚሑም ኣብ’ታ ከተማ ራዕድን ፍርሕን ነጊሱ ምህላዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቅና ምንዝርናን ብልሽወናን ገኒኑ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ስርዓት ንመንእሰያትና ናይ ምብልሻው መደብ ብስሩዕ ይሰርሓሉ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብናይ ሓይሊ ባሕሪ ኣዛዚ ጀነራል ካሪካሪ ዝምራሕ ናይ ጸጥታ ጉጀለ፡ በቲ ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት ዝፈረየ ጫት ኣብ’ቶም መንእሰያት ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ምህላዉ ተረጋጊጹ። እቲ ጉዳይ ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ በዓልቲ ቤት ካሪካሪ እተመሓድሮ ኣንስቲ ጀነራላትን ዝተፈለለየ ወትሃድራዊ መዓርግ ዘለዎም ባእታታትን ዝዋስእሉ ናይ ምልቃም ጫትን፣ ኣልኮልን ምንዝርናን ጽዑቕ ስራሓት ይካየድ ምህላዉ ካብ’ቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነብር ህዝብና ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

16/01/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9289

Posted by on Jan 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net