ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተወሳኺ ገዛውቲ ዜጋታት ንምፍራስ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ

eritrea map2

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም’ቲ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ዝፈጸሞ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ከተማታት ዓዲ ቐይሕን ሰንዓፈን ብዝተመሳሰለ ኣገባብ ኣባይቲ ዜጋታት ንከፍርስ ይዳሉ ምህላዉ ካብ ደቡብ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ነቶም ከፍርሶም ዝሓስብ ዘሎ ኣባይቲ ድሮ ምልክታት ኣንቢሩሎም ምህላዉ’ውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ነበርቲ’ዘን ክልተ ከተማታት ዓቢ ራዕድን ስግኣትን ሓዲሩ ምህላዉ ተረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ቁሸታት (ከም ጸሎት) ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድሮ ገዛውቲ ምፍራስ ጀሚሩ ምህላዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓደ ክፍለ ሰራዊት ዝኣክል ኣዋፊሩ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ዳርጋ ሰማንያ ዝኸውን ኣባይቲ ኣፍሪሱ ምንባሩ፡ ነቶም ተቐማጦ ድማ ኣብ ቁርን ኣስሓይታትን ብዘይ ንሕስያ ኣብ ጎልጎል ዛሕዚሕዎም ምኻዱ ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ኣብ ምፍጻም ከም ምኽንያት ዘቕርቡ፡ እዚ ኣባይቲ’ዚ ብዘይ ፍቓድ ዝተሰርሐ ኢዩ ዝብል ዕባራ ምኽንይታ ኢዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕን ሓሙስን (21-22/01/2015)፡ ገዛውቲ እና ኣተወ መጠነ ሰፊሕ ፍተሻን ምፍርራሕን ከም ዝፈጸመ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ዜጋታት ከም ዝኣሰረ ተረጋጊጹ። እዚ ተግባር’ዚ ብዝያድ ኣብ ከተማታት ተሰነይን፣ ባርንቱን፣ ሻምብቆን ዝተፈጸመ ምንባሩ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ኣብ ከተማ ጎሉጅ ሰባት ብሓይሊ ንከዐስክሩ ዝመጹ ኣካላት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተቐማጦ’ቲ እታ ከተማ ብሓይሊ ብረት ብምፍርራሖም ከም ዘባረርዎምም ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። ህዝባዊ ምንዕዓብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናደየበ ይኸይድ ብምህላዉ ነቲ ስርዓት ኣብ ዓቢ ሻቑለት ኣእቲይዎ ከም ዝርከብ ዝተፈልጠ ኮይኑ ኣሎ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

23 ጥሪ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9310

Posted by on Jan 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net