ባዓል ምምስራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ጨንፈር ርያድ ተኻይዱ

ጨንፈር ርያድ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብጅምዓት ዕለት 23/01/2015 መሪሕነት ሰልፍን ኣባላትን፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን፡ ዓበይትን ናኣሽቱን፡ ደቂ-ኣንስትዮን፡ መንእስያትን፡ ዝተኻፈልዎ ጽምብል ምምስራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብዒሉ።                                             

መኽፈቲ ኣኼባ ብቁርኣነል ከሪም ድሕሪ ምኽፋቱ፡  ኣቦ-መንበር ጨንፈር ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጽኣኩም እንዳ ኣመስገንኩ፡   ባዓልና  ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ሃገርና ዘላቶ ይካይድ ምህላዉ እዚ ኻኣ ኣብቲ ንሃገርናን ንህዝብናን እነካይዶ ቃልስና ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ኢዩ ክብል ገሊጹ፡ ቀጺሉ ነዚ ባዓል ዘዳለወት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምምስጋኑ፡ መጻኢ ጽምብልና ኣብታ ተፈታዊት ሃገርና እንሻኣላህ ክነውዕሎ ኢሉ።                                                           

ቀጺሉ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ ኣብ መስራቲ ጉብኤ ብዕለት 06/01/2006 ዝተመስረተ ሰልፊ  ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኮይኑ፡ ኣብቲ  ናይ ታሪኻዊ ቃልሲ ሃገርና  መቀጸልታ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብቲ ምእንቲ  ናጽነትና ንምጉንጻፍ ዝጠለብን ዝተቃለስን ኢዩ ክብል ገሊጹ፡ ሰልፊ ናህዳ ኣብ ኩነታት ሃገርና ምስ ኩሉ መሰሉ ዝተገፈ ኣብ ጎኑ ደው ክምዝብልን፡  እጃሙ ብጉቡእ እንዳ ኣበርከተን እንዳ ፈጸመን ኣብቲ ድሕሪ  እዚ  ስርዓት ምውዳቅ  እቲ ህንጻ ሃገርና  ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ሓይልታት  ጎኒ ንጎኒ ኮይኑ   ከምዝሰርሕ ገሊጹ፡ ቀጺሉ ንተሳተፍቲ እዚ ሰልፊ  ካባኹም ናባኹም ኢዩ ክብል ኣብሪሁ።                                                                                 

ቀጺሎም ቃሎም ዘስምዑ  ፡  ሓላፊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ክምእ’ውን ኣቦ-መንበር  ሃገራዊት ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ርያድ ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማገለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ሓላፊት ማሕበር መንእስያት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ሰልፊ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይት ዘሰረሖም ስራሓት ብምምስጋኖም፡  ንጽምብል መበል ዓስራይ ዓመት ምምስራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ዮሃና ኢሎም።                                                                        

ብምኽንያት ጽምብል ምምስራት ስልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዝሕ ዝበለ ግጥምታትን ፡ ክምኡ’ውን ብወገን  ተሳተፍቲ ካብ ዘስምዕዎ ቃል ኣብዚ ጽምብል ምስታፎምን ንዝራኣይዎ ኣገባብ ምድላውን ድሕሪ ምምስጋን፡፡ ነታ ኣብ ትሕቲ  ነጋዶ ሰብ ኣትያ ትሳቀ ዘላ  ጓል ስዉእ ዝኾነት  ጓል 15 ዓመት  ንስድራ/ቤታን ናዓኣን ዝጋጠመ ብሓቂ ኣሕዛኒ ሽግር ምስ ተገልጸ ተሳታፋይ ብሓቂ ሓዚኑ ዓይኒ ንብዓቱ ኣብ ዘይቋጻጸረሉ በጺሑ ተራእየ፡ ካብዞም ነጋዶ ንምግልጋል ካኣ ሽዑ ንሽዑ  ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዶላር ተዋጺኡ።                                                         

ኣብ መጨረሽታ ተሳተፍቲ  ድሕሪ ናይ ድራር ግብጃ፡ መጻኢ ጽምብል መበል ዓስርተ ሓደ ዓመት   ኣብ ኤርትራና ከተማ ኣሰመራ ክኽውን ትምኒቶም ገሊጾም።

 

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

24/01/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9314

Posted by on Jan 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net