መሪር ዘበን ስድራቤትን መሓዙትን መንእሰይ እድሪስ ኻለድ ባሕራይ ጎኒ ንጎኒ

khal mem

ብፍረወይኒ ሃብተማርያም

በርሊን፡ ጀርመን፡24.01.2015

ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ሓውና እድሪስ ኻለድ ባሕራይ ሎሚ ዕለት 24.01.2015 ኣብ ላንድሻፍትስ ፍሪዶፍ ጋቶው ዝተባህለ ከባቢ ከተማ በርሊን፡ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ተሳቲፎም ብኽብሪ ተፋንዮሞ።

ክብርቲ ኣደ ኻለድ፡ ቅሰኒ፡  ዕሸል ወድኺ፡ ዝባኑ ዘዕርፈሉ መሬት፡ መንፈሱ ዘሰኒ ጸሎት፡ ዝማዕርጉ የሕዋት ረኺቡ ተፋንዩ። ክንዲ ኣዲኡ ኮይና ኣሙኡ፡ ኩላትና ኣሕዋቱን ኣሓቱን መንእሰይ ወደየ! መንእሰይ ሓወየ! እናበልና ኣፋኒናዮ።  ረቢ/እግዚኣብሄር፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ይቀበሎ፡ ኣሜን!

እቶም ዘፋነውዎ ዳርጋ ኩሎም ዕሸላት ከም ኻለድ እዮም። ስንባደን ሓዘንን ኣብ ገጾም ይርአ ኔሩ፡፡  እዚ ኩሉ መዓት፡ እዚ ኩሉ መከራን ሽግርን ሰጊርካ መጺኻ ‘ዶ ሞት ኣላያ ዝብሉ ውን ይመስሉ። ነቲ ተረኽቦ መግለጺ ዝሰኣኑሉ ይመስሉ። ቛንቛ እዚ ዓዲ ወላ ደኣ ንምለኮ እንበር፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ክንገልጸሎምን ክንትርጉመሎምን ኣይንኽእልን፡፡ ንባዕልና ውን ገና ኣይተረዳእናን ስለ ዘሎ።

ሎሚ መዓልቲ ሓቢርና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ክቱር ሓዘን ብደበና ተሸፊኑ ዝነበረ ሰማይ ጎኒ ንጎኒ ኮይና ሓውና ኻለድ ኣማዕሪግና፡፡ ብዙሓት መሳድድቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ዝቕመጡ፡ ንኽመጹ ስለዝጸገሞም እንበር፡ ብመንፈስ ምሳና ከምዝነበሩ፡ እናደወሉ ሓቢሮም።

እዞም ዕሸላት ገና ዘይተዛረቡሉ፡ መሪር ስቓያት ተሳጊሮም፡ ብዙሓት፡ የሕዋቶም፡ ኣብ ምድረበዳን፡ ባሕርን፡ ካልእ ቦታታትን ብዘይ ንቡር ቀብሪ ወዲቖም ዝተረፉ እናዘከሩ፡ ኣብቲ ንደልዮ በጺሕና ምስ በሉ፡ ከምዚ ዝበለ ሞት ክርከብ፡ ስጋብ ክንደይ የሕዝኖም። እቲ ጉዕዞ ገና ቀጻሊ ከም ሙኻኑ ውን ይሕብሮም።

ካምዛ ሎሚ ኣብ ሓዘን ሓውና ኻለድ ጎኒ ንጎኒ ዝወዓልናዮ፡ ኣቐዲምና ሓወይ ሓፍተይ ኢልና እንተንተሓላለስ ክንደይኮን ናይ ሕልናን መንፈስን  ቅሳነት ምረኸብና?

ከምዚ መንእሰይ ሓውና ኻለድ እቲ ፍሕሹው ፍሽኽትኡ ገዲፉልና ዘሎ፡ ካልኦት ውን ናይ ተስፋ ቃላት ወቒሮምልና ስለ ዝሓለፉ፡ ኣጆኹም ኣጆና፡ እዚ ውን ይሓልፍ!  መልሲ ን“ኣበይ ኣሎ ሓውኻ” ዝብል ሕቶ ንእውዶም ሙኻና እንተድ ኣ ተረዲ እና፡

መንግስተ ሰማይ ንመንእሰይ ኻለድ! ጽንዓት ንስድራቤት!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9316

Posted by on Jan 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net