ኣብ ኣስመራ ንለውጢ ዝጽውዑ ደርፍታት ብዓውታ ተሰሚዖም

forto 2015 keeping hope alive

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምንጋስ ዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጸረ ስርሒት ፎርቶ ብኽብሪ ከም ዝዘከርዎ ኣባልት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ “ቪቫ ፎርቶ 2013”  ኣብ ትሕቲ   ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ዝበጽሓና ዜና ይገልጽ።  እቲ ዝኽሪ  ካብ ኣብ ደገ እንርከብ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ዝረኸብዎም ደርፍታት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቴፕ ብምእታው ኣብ ብዝሒ ሰብ ዝርከቦ ቦታ ብዓውታ ብምውላዕ ሞራል ሰማዕቲ ክብ ከም ዘበሉ ሓቢሮም። ነዚ ንምግባር  እታ ቴፕ ኣብ ናይ ህዝባዊ መደወሊ ቴሌፎን ብኮላ ኣላጊቦም ኣብ ልዕሊኣ ድማ “ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ስዓድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)፡ ዓርቢ ሓርነት፡ ቪቫ ፎርቶ 2013” ዝተጻሕፎ ካርቶን ለጊባ ከም ዝተገድፈት ሓቢሮም።

እዚ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ቀዳም 24 ጥሪ 2015 ካብ ሰዓት 10፡30-11፡45 ቅ.ቀ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓራጅ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ብረዚን መልእኽቲ እቶም ዝተደርፉ ደርፍታትን ተባዕ ስጉምቲ ናይቶም ነዚ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነትን ዝተደነቐ ሰማዒ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ግብራዊ ኣብ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ይዛረብ ኣሎ። ብፍጻሜ ናይዚ ጉዳይ ዝሰንበዱ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ከኣ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቦም ነታ ቴፕ ከም ዝወሰድዎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። እቶም  ዝተደርፉ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝገልጹን ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ዝጽውዑን እዋናዊ ደርፍታት እዮም ነይሮም። እዘን ዝስዕባ ማለት “ሸጥ መዓንጣና” ናይ ወዲ ትካቦ፡ “ማማ ትሓመናላ” ናይ ምሕረተኣብ፡ “ኣይት ዓንቅፉኒ” ኣልማዝ ኣረጋይ (ለሚን)፡ “ትም” መምህር ሑሰን መሕመድ ዓሊ፡ “ደቀይ ደቀይ በሊ” ሃኒ ምሕረተኣብ  ገለ ካብተን እተደርፋ ደፍታት እየን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ኣብ ወጻኢ ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሓገዝ ናይ ተክኖሎጂ ብፓልቶክ ተሰንዩ ዝኽሪ መበል ካልኣይ ዓመት ከም ዝተኻየደ ንሕብር።  ክብርቲ ጋሻ ናይቲ መደብ ኮይና ዘምሰየት ብዓልቲ ቤት ሓርበኛ ስውእ ኮ/ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ውይዘሮ በኪታ እድረስ ዑመር ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ናይ ምስጋናን መተባብዕን ምልእኽቲ ኣመሓላሊፋ፡፡ ብዘይካ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ውን ንመጀመርያ ግዜ ብቐጥታ ብቴለፎን ብምድዋል ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝምልከትን ሓበሬታን ናይ መተባብዒ መልእኽትን ኣስሚዑ። ሕመረት ናይቲ ንታህዲድን ፈኸራን ስርዓት ህግደፍ በዲሁ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝተፈነወ መልእኽቲ  ከኣ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓቢሮም ክሰርሑን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቕስቓስ ክድግፍዎን ዘዛኻኸረ እዩ ነይሩ። ቕዳሕ ናይቲ ዝክሪ ንምስማዕ አብዚ ጠውቁ፡ https://www.youtube.com/watch?x-yt-ts=1421914688&x-yt cl=84503534&v=QHdrOV650HY&list=UUNkqhfPUpW4HS7Bvqu2NNOg

 

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ብ ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነትን፡ መእዲ ዘተ ፓልቶክ ስመርን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታትን ዝተወደበ እዩ ነይሩ።
24 ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

ሓበሪታ፡ እዛ ስእሊ ተጠቂምናላ ዘለና ምድላዋት እንዳተገበረ ዝተሳእለት እያ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9320

Posted by on Jan 26 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net