ብጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካየደቶ ዑደት ብዓወት ተዛዚሙ

ለንደን (04.02.2015)፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ካብ 23 ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዓባይ ብሪጣያ ናይ መርመራ ዑደት ዘካየደት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዛዕባቶም ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት መርትዖታትን ሓበሬታን ኣብ ምሃብ ተሳቲፎም።

ብኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበረንን ብጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝግደሳን ኤርትራውያን ማሕበራት ዝቖመ ልፍንቲ: ንመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዑደታ ንምሕጋዝ ናብ ህዝቢ ዘቕነዐ ጎስጓስ ኣካይዱ፡ ነቶም ንመርማሪት ኮሚሽን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስክርነት ወይውን ሓበሬታ ንምሃብ ቅሩብነት ንዘርኣዩ ኤርትራውያን ከኣ ተሓጋጊዙ። ዋላኳ እቲ ናይ ምስክርነት ምሃብ መስርሕ ንቡዙሓት ግዳያት ኣዝዩ ከቢድ እንተነበረ፡ ኣብቲ ንቶም ኣብ ኤርትራ ክፍጸሙ ዝጸነሑ ግስህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ኣቃልቦ ክፈጥር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መስርሕ ብቐጻሊ ናይ ምስታፍ ድልየት ኣርኢዮም።

ኣብ ከተማታት ለንደን፡ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሊድስ ክምኡውን ኣብ ግላስጎ ግዝያዊ መደበር ዝመስረቱ መርመርቲ ምስ ኣብ ቀደማይ ደረጃ ዝስራዕ ሓበሬታ ዘለዎም ሓያሎ ግዳያትን ኣባላት ስድራቤታት ግዳያትን ተራኺቦም። እዚ ሓበሬታዚ ከኣ ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ዝፍጸሙ ቅትለታት፡ምልካዊ መእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ምስዋር፡ ግህሰት ናይ ሃይማኖት መሰላት፡ ጾታዊ መሰረት ዘለዎም ግህሰታት፡ ከምኡውን ኣንጻር እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ ዜጋታት ዝግበሩ ግህሰታት ወዘተ የጠቓልል። ብተወሳኺ እቶም ኮሚሽነራት ዝተሰታፉሉ ናይዞም ዝተጠቐሱ ግህሰታት ድሕረ ባይታ ንምሃብ ዝዓለሙ ናይ ጉጅለ ኣኼባታት እውን ተኻይዶም።

ኣብዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ካልኦት ኤርትራውያን ዝርከቡሎም ከባቢታትን እናዛየደ ዝከይድ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ሓበሬታ ብጽሑፍ ከቕርቡ ድልየት ዘለዎም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ንምቕባል ከም መወዳእታ መዓልቲ ተወሲኑ ዝነበረ ዕለት 31 ጥሪ 2015 ብሓደ ወርሒ ከተናውሖ ወሲና፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ክሳብ ዕለት 28 ለካቲት ሓበሬታ ብጽሑፍ ንክትቕበል ወሲና።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ኮንሶርትዮም ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ንኩሎም እቶም ብውልቂ ይኹን ኣብቲ በብጉጅለ ዝተኻያደ ኣኼባታት ብምስታፍ ምስክርነትን ሓበሬታን ብምሃብ ኣብዚ መስርሕዚ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ምስጋና የቕርብ። ብተወሳኺ ነቶም ኩሎም እቲ በብሓደ ዝተኻየደ ቃለ መሕትታትን ናይቲ በብጉጅለ ዝተኻየደ ኣኼባታትን ናይ ሓበሬታ ጎስጓስን ንክዕወት ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ኤርትራውያን የመስግን።

እቲ ብኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበረን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመ ኮንሶርትዮም ነዘን ዝስዕባ ማሕበራት የጠቓልል፡ ኤርትራውያን ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት – ዓባይ ብሪጣንያ (EHDR – UK) ፡ ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (CDRiE) ፡ ረሊዝ ኤርትራ ፡ ማእከል ስወይራ ንሰብኣዊ መሰላት።

ብተወሳኺ ኩሎም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኤርትራውያን ወይውን ብዛዕብኡ ሓበሬታ ዘለዎም በዚ ዝስዕብ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ( coieritrea@ohchr.orgብቐጥታ ብጽሑፍ ክሰዱ ይጽውዕ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መርማሪት ኮምሽን ንምርካብ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፡

http://www.ohchr.org/EN/HRBodies/HRC/CoIEritrea/Pages/commissioninquiryonhrinEritrea.aspx

 

News source : http://www.cdrie.net/index.php?option=com_content&view=article&id=336:2015-02-06-00-00-54&catid=36:tigrinya-articles&Itemid=55

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9372

Posted by on Feb 6 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net