መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ 2ይ ዓመት መስዋእቲ ብጻይ ዶር. በየነ ኪዳን

dr bayene kidane

መራሒናን ብጻይናን ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳነ፡ ብዕለት 05 ሚይዛያ 2013 ተሰዊኡ፡ ልክዕ ከም’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ድማ ብብጾቱን ፈተውቱን ከምኡ’ውን ብኣማእት ዝቝጸሩ ሃገራውያንን ተዓጂቡ ብዓቢ ስነ ስርዓትን ዝተፈነወላ ዕለት ኢያ።

 

ሓርበኛ መራሒና ንመዋእል ተዓጢቕዎ ዝተጓዕዘ ፍልጠት፣ ልቦና፣ ህዝባዊ ሓልዮት፣ ሃብታም ተመክሮን ምልስ ኢልና ንድሕሪት ክንጥምት እንከለና: ውድብና ግ.ሃ.ድ.ኤ ዘይትካእ ዓቢ መትከላዊ መራሒ ከም ዝኸሰረ ንርኢ ። እዚ ዓቢ ክሳራ እዚ ግን አብ ውድብና ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ መንጸብረቅትኡ አብ መላእ ደምበ ተቓውሞን ብዓቢኡ ድማ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ዓቢ ምኩር ሃገራዊ ተቓላሳይ ከም ዝኸሰረት ኩላህና ዘይንፈላለየሉ ጉዳይ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

 

ሓርበኛ ዶር. በየነ፡ ካብ መጀመርታ ስሳታት ኣትሒዙ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን፡ ኣብ ቃልሲ ከጋጥሙ ብዝኽእሉ ጸገማት ከይተሰናኸለን ከይተዓናቐፈን ካብ’ቶም ሃገራዊ ግቡኦም ብትብዓትን ብተወፉይነትን ገደብ ዘይነበሮ ህዝባዊ ሐልዮትን፡ ዓቢ አስተዋጽኦ ዘበርከተ ጅግና ሐርበኛ ብምንባሩ ንወሎዶታት ተዘኪሩ ክነበር ዘለዎ መትከላዊ መራሒ እዩ።

 

ጀጋኑ ስዉኣትና ዝተቓለስሎም ዕላማታትን ራኢታትን ናብ ሸቶኦም ከነብጽሖም መብጻዓ ኩሉ አባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምዃኑ ብምርግጋጽ ፡ ነዚ መብጻዓ እዚ አብ ማዕርፍኡ ንምብጻሕ ሓያል ቃልሲ ዝጠልበና ምዃኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዝተሓላለኸ ናይ ቃልሲ ህምት ግን፡ ከም ዶር. በየነ ዝኣመስሉ ጀጋኑ ክፍለዩኻ ነቲ እተካይዶ ቃልሲ ክሳብ ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝገብሮ ንኩሉ ተቓላሳይ ብሩህ ኢዩ። ኣቦታት ክምስሉ፡ “ሽሕ ይሙቱ ኣቦ ሽሕ ኣይሙት” ዘየብል’ውን እይኮነን።

 

ይኹን እምበር ኣብ መደምደምታ ንመንፈስ ብጻይናን መትከላዊ መራሒናን ዶር. በየነ ክንብሎ እንደሊ፡ አብ መበል 2ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቱ፡ ኩቡር ሐርበኛ ስዉእ ብጻይና ዶር፡ በየነ ኪዳነ፡ ኩነታት ውድብ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣብ ዘሻቕል ደርጃ በጺሑ ምህላዉ ምስ ፈለጥካ፡ ቅድሚ መስዋእትኻ ብገለ መዓልትታት ንገለ ካብ’ቶም ናይ መዋእል ኣዕሩኽትኻን ብጾትካን እቲ ተሕልፎ ዝነበርካ ቃንዛን ስቅያትን ሕልናኻ ፈጺሙ ከየዳኸመ፡ እና ነባዕካ ዝበልካዮ “ በጃኹም ውድብ ኣድሕንዎ” ዝብል ለበዋኻ ብምዝካር፡ ቅሰን ኩቡር ጅግና ዶር. በየነ፡ ብጾትካ ነቲ ተኣሊሙ ዝነበረ ውዲታት ብምፍሻል፡ ውድብ ኣድሒኖሞ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ እስኻን ኩሎም ስዉኣትን ህልዋትን መትከላውያን ብጾትካ ዝተኸልኩሞ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ መሊሰሞ ኢዮም።

 

ጅግና መራሒና ስዉእ ዶር. በየነ ኪዳነ፡ ሕጂ’ውን ነቲ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተለምካልና ዕላማታት ኣብ መዓርፍኡ ከነብጽሖ ምዃንና መብጻዓና እነሆ ነሐድስ ። ብኣካል’ኳ እንተ ተፈለኻና፡ እቲ ዝገበርካዮ ልዑል ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ንዘልኣለም ኣብ መዝገብ ሃገርናን ውድብናን ብወርቃዊ ቀለም ተጻሒፉ ክነብር ኢዩ።

 

ክብርን ዝኽርን ንኹሎም ጀጋኑ ስዉአት !!

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ዕለት፡ 16-04-2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9541

Posted by on Apr 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net