ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ብዕለት 26-07-2010 አብ ከተማ ሰመራ ንኽካየድ ዓብይ ምድላዋት ይግበር አሎ፡

ክፍሊ ዜና

ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ

21.07-2010

እቲ ብዕለት 26-07-2010 ብውዕውዕ መንፈስ አብ ከተማ ሰመራ ክልል ዓፋር ኢትዮጰያ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ልዑል ምድላዋት ይግበረሉ ከምዘሎ አዳላዊት ሽማግለ ናይቲ ኮንፈረንስ ገሊጻ፡ እቲ ኮንፈረስ ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ውሕስነት መሰላቱን መሰላት ካልኦት ብሄራትን አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክካየድ ምኻኑ እታ ሽማግለ ክትገልጽ ከላ አብቲ ኮንፈረንስ ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ንምጽናት ዝወሰዱ ዘለው እስትራተጂካዊ ፖሊሲታት ብጹሑፍ መልክዕ ክቐርቡ ምኻኖም ድሕሪ ምግላጻ፡ አብቲ ኮንፈረንስ ሓያላን ናይ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ምሁራን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ክሳተፍዎ ምኻኖም ወሲኻ እታ ሽማግለ ገሊጻ፡ ከምእ›ውን ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ-ባሕር ዝኾኑ ካብ ኩሉ ቦታታት አብዚ ኮንፈረንስ›ዚ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሰመራ ክኣትዉ ጀሚሮም ከምዘለው አዳላዊት ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ዜና ይሕብር፡፡ ብተወሳኺ አብዚ›ዚ ዋዕላ ወከልቲ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራን ወከልቲ ብሄራት ኤርትራ ንኽሳተፉ ዕድመ ተገሩሎም ከምዘሎ አሰናዳዊት ሽማግለ ሓቢራ፡፡

ከምዝፍለጥ ብዕለት 30-07-2010ዓ.ም ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ምቅርራባት አብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዚ ኮንፈረንስ›ዚ ይካየድ ብምህላዉ ዝያዳ ነቲ ዋዕላ ከዕዝዞን ከሐይሎን ከምዝኽእል አባላት መሪሕ ውድብ ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ ይእምቱ፡፡   

Short URL: https://english.farajat.net/?p=966

Posted by on Jul 25 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net