ሓዲሽ ሓበሪታ ኣብ ምሉእ ሰምየንን ኣመርካን ከነዳን ታሓድሶ ተ.ሓ.ኤ

elf
ሓዲሽ ሓበሪታ ኣብ ምሉእ ሰምየንን ኣመርካን ከነዳን ታሓድሶ ተ.ሓ.ኤ ብህዝባውነታ ትልለ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ገደይም ተቓለስታ እታ ንኹሉ እዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፋላላይ ዝጸወዓት ቀዳመይቲ ጥይት ዝተኮሰት ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኹሉ ዝሳዓቦ መጸዋዕታ’ ህዝብና ካብ ናብ ብሙሉኡ መርሓባ ኢሉ ስለ ተቐበሎ ተ.ሓ.ኤ ብህዝባዊ ተሳትፎን ህዝባዊ ቃልስን ስለ ዝመርሔት ብምዕባሌኣ ኣዋዳድባኣን ኩሉ ብደርባዊ ምስሉ ሓቚፋ ማሕበር ሰርሕተኛ ማሕበር ሓረስታይ ማሕበር ተማህራይ ማሕበር ደቀንስትዮ ወዘተ… ከም ፍረ መሪሕ ታራ ቃልሳ ናይ ናጻ ምውጻእ ከተማታት ተሰነይ ፥ወቑርደት፥ መንደፈራ ፥ እምኒ ሓጀር፥ ጎሊጅ፥ዓዲ ዃላ ፥ዕዲ፥ ጢዖ፥ ከምኡ ውን ስርሒት ጀጋኑ ፍዳኢን ፥ ካብ ሺኦል ማእሰርቲ ሰንበል ኣስመራን ዓድዃላን ዘውጸኤት ውድብ ተ. ሓ . ኤ ገደይም ተቃለስታ ንታሪኽና ኣሻሓት ብጾትና ዝኸፈልናሉ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ተወዲብና ክንቓለስ ውደባና ከነስፋሕፍሕ ብሙዕት ተላዒልና ከም ዘለና ብዕሊ ነፍልጥ።
ከም ተግባራዊ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቐሰ ብዕለት 23/8/2015 ኣብ ዞባታት ሰምየን ኣመርካን ከነዳን እንርከብ ገደይም ተቃለስቲ ምስልና ምስሊ ኤርትራዊ ስእሊ ዘለዎ ደቂ ከብሳን መታሕትን ኩሎም ካድራታት ተ.ሓ.ኤ ብተኩኖለጂ መራኸቢ መስመር ከፊትና ዕውት ሰሚናር ኣካይድና። ንመጻኢ ኣብ ማእከላዊ ቦታ ዝገበረ ዕቢ ሰምናር ብኣካል ክንገብር ተስማሚዕና።
በዚ ኣጋታሚ ንኹሉ ጅጋኑ ኣባላት ተሓኤ ነበር ሰራሕቲ ቕያ ታሪኽና ክጭወ ብሉጻት ኣሻሓት ዝኸፈልናሉ ዓይንና ኣይ ንትዓመት ታሪኽና ክዝመት ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ብሓደ ተኣኪብና ህዝብና ነድሕን ዝብል መጸዋዕታ ነቕርብ።
ካብ ኣባላት ተሓኤ ሰምየን ኣመሪካን ከነዳን
ዓወት ንውጽዕ ህዝብና
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9862

Posted by on Aug 25 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net