ስፖርታዊ ዓወትና ናብ ፖሎቲካዊ ዓወት ክሰጋገር ኣለዎ

eudc
ደሓን ይእተዉ ኣሕዋትናን ደቅናን ኣብ “ቱር ደ ፍራንስ “Tour De France” ብብሽግለታ ተወዳዲሮም ኣንጸባራቒ ዓወት ዝተጓናጸፉ መንእሰያት ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቁዱስን ጸባ ኣስትዮሙና። ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ኢርትራዊ ካብቲ በብእዋኑ ዝሰምዖ ሕማቕ ወረታት ዋላ’ውን ንቁሩብ መዓልታት ይኹን ባህታ ክሰፍኖ ጌሮም እዮም። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ቁሩብ ቅሳነት እንተዝረክብ ተዋዳዲሩ ካብ ካልኦት ከምዘይሓምቕ ብግብሪ ኣመስኪሮም እዮም። እቲ ከምዚ ዝበለ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተቓለሐ ብስራት ዓወታት ገና ከይቀሃመ ሓውና ግርማይ ገብረስላሴ ከኣ ኣብ በጂንግ ማራቶን ተዋዳዲሩ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ታሪኽ ናይ ቅድድም ጉያ እግሪ ንመጀመርታ ግዜ ወርቂ ክትሽለም ጌርዋ ኣሎ። እንቛዕ ኣሓጎሰኩም እንቛዕ ኣሓጎሰና። ደስ ኢሉና ደስ ይበልኩም። ዓወትኩም ብልጭ ኢሉ ከይጠፍእ እኳ ደኣስ ካልኦት መንእሰያት ኣሰርኩም ክኽተሉ ዘለና ድሌትን ባህግን ዓቢ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንገልጽ ንደሊ።
እወ ንያትን ሓቦን መንእሰያት ኤርትራ ከምዚ ናይ ሕጂ ብህግደፍ መሬት ከይዘበጠ ከሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስፖርት ይኹን ኣብ ካልእ ብዙሕ መዳያት ኣብ ገሊኡ መስተንክራዊ ኣብ ገሊኡ’ውን ዘይነዓቕ ዓወታት ከመዝግብ ጸኒሑ’ዩ። ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ግን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝነበሮ ዕቑር ዓቕምታት ጸጋታቱ ከማዕብል ዕድል ኣይረኸበን። ካልእ ኩሉ ውድድራት ተሪፉ ኣብ ደርፍን ኣብ ምፍንቃል እምንን ጥራሕ ክወዳደር ተሓጺሩ’ዩ ጸኒሑ።
እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ዓወታት’ውን እንተኾነ እቲ ካብ ነዊሕ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ደምን ሕልናን ህዝብና ሰሪጹ ዝጸንሐ ወትሩ ዘይምብርከኽ ሓቦ እንተዘይኮይኑ፡ ብሰንኪ ህግደፍ’ኳ ካብ ጽፍሒ ምድሪ ብድድ ንከይንብል ዘይተፈተነ ነገር የለን። ውድድር ምዕብልና ምዃኑ፡ ውድድር እንተልዩ ዝተፈላለየ መማረጺታት ይህሉ’ሞ ዝሓሸ ናይ ምምራጽ ዕድላት ሰፊሕ ይኸውን። ዝበለጽካ ኮንካ ንክትረአ ከኣ ኩሉ ዝከኣለካ ክትህብ ድሕር ኣይትብልን። ውድድር ኣደ ምዕባሌ ኣያ። እንተኾነ ግን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከይትወዳደሩኒ ኢሉ ነጻ ፖሎቲካዊ ውድድር ብምንፋጉ ፖሎቲካዊ ንድየትን ድኽነትን ኣስዒቡልና’ዩ። ብፖሎቲካዊ ንድየት ክመጽእ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ድሕረትን ሕመቕን ኣብ ርእሴና ክጸዓን ጌይሩ ኣብ ውሽጥና ጥራይ ተሓጺርና ክንተርፍን ሃገርና ዓባይ ማእሰርቲ ክትኸውንን ጌይርዋ ኣሎ። ኣብ ቁጠባ ተወዳዲርና ንኸይንዓቢ ከኣ ካልእ ዓበይቲ ትካላትሲ ይትረፍ ህግደፍ ሽሮን በርበረን ከይተረፈ እናሸቀጠ ንኩሎም ንኣሽቱ ነጋዶ ከይተረፈ ካብ ጸወታ ወጻኢ ከምዝኾኑ ጌይሩ ኣሎ።
ውድድር እንተዘየልዩ ምዕብልና የለን ኣብ ኩሉ መዳያትና ቅዱስ ቅንእን ውድድርን ጌርና መታን ንክንምዕብል ከምዚ መንእሰያትና ኣብ ጉያ እግርን ብሽግለታን ተወዳዲሮም ኣመዝጊቦሞ ዘለዉ ዓወታት ከኣ መታን ከነመዝግብ ንኩሉ’ቲ ውድድራት ክመውት ዝገበረ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ሕልናን ሓቦን ህዝብና ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ንተዓጠቕ።
ንኩሉ’ቲ ብርቱዕ ብደሆታት ሰጊሮም ንሃገርና ኣብ ቅርዓት ዓለም ክትፍለጥ ዝገበሩን ወጻእተኛታት ድማ ንሃገርና ክፈልጡ ክብሉ ምስ ተመራመሩ እንታይ ዓይነት ሰይጣናዊ መንግስቲ ከምዘለና ከፈልጡ ዝገበረ ፍጻሜ እዩ’ሞ ጀጋኑ ኣትለታትና ክብርን ምስጋናን ይብጸሓዮም።
ቤት ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
26 ነሓሰ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9866

Posted by on Aug 27 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net