ሰማእታት በሲግዲራ ዖናን ካብ ብሌን ዝተተርጎመ

(ቓል ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ። ኣብ ቖላታት ኤርትራ ብስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ጥቕምቲ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ዘካሕኪሕ ኢሰብኣዊ ቅትለትን ምብራስ ንብረትን ከም ዝተፈጸመ ኣብ ቀዳሞት ጹሑፋትናን ብኻልኦት ደቂ ሃገርን ተጻሑፉ’ዩ። ነቲ ዕለታት ህዝብናን ስቓይን ምዝካርን ነቲ ዝሞቱሉ ዕላማ ናብ መጠረሽታ ምዕራፍ ክነብጽሖ ከኣ ኣብ ቓልሲ ስለ ዘሎና ዋልታን ሞራልን ክኾኑና ናባኹም ንዝርግሖ።  ጽቡቕ ዝደሊ ጽቡቓት ይኸፍል’ዩ እሞ ሃይማኖት ዓሌት ኣውራጃ ከይፈለዩ ኣጽኒቶምና ስለ ዝኾኑ ንሕና’ውን  በዚ ትሕቲ ሃገራዊ ባህሊ ሓርነታዊ ቓልስና ከይብለል ዝያዳ ምስትዉዓልን ንቅሓትን ዘድሊ ጊዜ ኣሎና። ጽሑፋትና ንመሰል ህዝቢ ብሄረ ብሌን ኣውቶኖምያዊ ምሕደራን ጎይታ መሬቱን ክኸውን እናተጣብቐ ንዝኾነ ንትምክሕት ንዕብለላን ካብ ዝኾነ ይምጻእ  ብትብዓት ክቓለስ ዝቆረጸ ውድብ’ዩ። ሓባራዊ ጸላኢ ኣሎና። እዚ ጸላኢ ኢስያስን ቁንጣሮ ንጉጅሌኡን’ዮም።  ነዚ ሓይሊ ብሓባር ከይንቓለስ ኣብ ጓል ነገር ዝመርሑ ሃሱሳት ብብዝሒ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ብሩህ’ዩ። 2017ዓም ነዚ እሾኹ ኣልና ንሕን ትብዓትን ንቕሓትን ወኒና  መሰላትና ንናይ ካልእ መሰል  ደረት ከይሓለፈ ሓባራውን ስጡምን ቓልሲ ክህልወና መድረኻዊ ጠለብ ኮይኑ ኣሎ። ንሕና ከም ዉድብ ብዘይ ቅድሜ ኲነት ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሰሚርና ክንቓለስ ቓል ዝኣቶና’ና።  ነዚ ሓላፍነት እዚ ብዉድብ ይኹን ብዉልቒ ክንስከሞ ዝግባኣና ሕድሪ ሰማእታትና’ዩ። ንረብሓ ጸላኢ ዝኸውን ፍልስፍናን ዕብዳን ዓሌትነትን ብመትከል ንኹንኖ። ሰናይ ዘመን ናይ ቓልስን ዓወትን ይግበረልና። ከም ቓልና እነሆ እቲ ብብሌን ዘዉጻእናዮ ጹሑፍ ብትግሪኛ ተርጉምና ነቅርበልኩም።)    

ሰማእታት በሲግዲራ ዖናን። ቅድሚ 46 ዓመት ንትፈትዎ ህዝብኻ ዘይኮነስ  ንጸላኢኻ ዘይትትምነዮ፡ ከምዚ ክራማት ምስ ጀመረ ቅድሚ ማሕረስ ኣብ ግራት ዘሎ ተረፍ መረፍ ቃንጫ ኣኻኺብካ ብሓዊ ተቃጽሎ፡ ነዘን ክልተ ዓድታት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ብናይ ሃይለስላሰ ጦር ሰራዊት፡ ብጠያይትን ብሓዊን እስትንፋስ ኣልቦ ገበርወን። እዚ ኣረመናዊ ግፍዒ ከምዚ ሎሚ ከምዝተፈጸመ ናይ ንእስነተይ ኢናዘከርኩ፡ የዕንተይ ንብዓት ቋጺረን ብምዕጉርተይ ኪነጥብ ጀሚሩ። ኣጻብዕተይ ከምዝነቀጸ ጨናፈር ገረብ ምንቅስቃስ ኣቢዩ ምጽሓፍ ሓርቢቱኒ። የግዳ ንዲሕሪት ተመሊስ ብዘይ ሓደ ገበን ዝጸነተ የዋህን ሕያዋይን ህዝብና እናዘከርኩ፡ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ከዕልለኩም ሕልናይ ሰለዝገደደኒ እነሆ።

ዝተወለድኩላ ዓዲ ኣጀርበብ ትበሃል። እዛ ዓዲ ካብ ከተማ ከረን ብወገን ሰመናዊ ምስራቅ፡ ብእግሪ ዳርጋ መንገዲ ሰለስት ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ብገቦታት ዝተኸበት ኮይና፡ ብክልተ ዓበይቲ ጎቦታት እንጀሓይን ትሪውን ትፍልጥ። እዘን ጎቦታት ኣብ ትሕቲ ፈጣሪአን ዕርዲ ተኪለን፡ ነዛ ዓዲ ብጸላኢ ንኸይትውረር ዝሕልዉዋ ይመስሉ። ግና ኣብ 5 ሚያዚያ 1970 ብጸላኢ ክትቃጸል ከላ፡ ብምሉኡ ገዛውቲ ኣብ ሓሙኹሽቲ ኪሳብ ዝቅየር፡ ዝረአ ዝነበር ትኪ ኣማዕዲኻ ካብ ምጥማትን፡ ኩትር ጓሂ እቲ ካብ ጎቦታት ዝዛሪ ዝነበር ማይ ኣብ ንብዓት ዝተለወጠ ይመስል ነይሩ።

ሽዑ ብግምት ወዲ ሾመንተ ዓመት ንይረ መስለኒ። ንብረት ብሙሉኡ ምስ ቀሓመ፡ ነታ ቀዳመይቲ ለይቲ ብዘይ መንጸፍን ኪዳን ለይትን፡ ቁሪን ኣስሓይታን ኪሰሃለና ሓዲሩ። መሬት ንርእሳ ኢላ ምስወገሐት፡ ጥመት’ውን ብወገኑ ኪፈታተነና ጀሚሩ። ከም ቆልዑ መጠን፡ ንዝባደመ ገዛውቲ ዘርካ ምርኣይ ስራሕና ኢልና ተታሓዝናዮ። ካብቲ ብሓዊ ሓሪሩ ዝተረፈ ብልቱግ ውይ ማሸላ ካብ ሓመድ ፈሊና ክንለቅም ተገዲድና። ልዕሊ ኹሉ ግን ነታ ጸላም ዕትሮ ምስ ሓሙሽተ የዕሩኽተይ ንሰሙን ዝኸውን ዝቀለብትና ክርሰዓ ኣይኸኣልኩን።

ዓዲ ካብ ትነድድ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ’ዩ መስለኒ፡ ኣብ ዝተቃጸለ ገዛ ፈላሲት ምስ ከድና፡ ብዘይካ ዓኒዩ ዘሎ ኳና ዘይትጸበናዮ፡ ጸሊም ዕትሮ ኣብ ውሽጢ ጸኒሑና። ቅድሚ ምንዳዱ ቡሑቅ ስለዝነበሮ፡ ብዘይካ እቲ ለዓለዋይ ሕራር ብውሽጡ በሲሉ ስለዝነበረ ቢድና ገጊሒጥና ኪንበልዕ ጀሚርና። ኪሳብ ዝውዳእ ብጸፊሕ እምኒ ንኸድና ነርና። ሕማቅ ዘመን እንታይ ዘየርኢ።

ኩነታት እናጸንከረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሎሚዶ ጽባሕ መጺኦም የጥፍኡና እንዳበልና ካብ ምሹቅራር ኣየዕረፍናን። ኣብቲ እዋን መሬት ከም ዓይኒ መርፍእ ጸቢባትና። ወዲ ሰብ ዝገብሮ ምስ ጨነቆ፡ ገሊኡ ንሰምሃር ምድሪ መንሳዕ ዚሃድሙ፡ ገሊኡ ኸኣ ኣብተን ዘይነደዳ ዓድታት ኪጽጋዕ ምስጀመረ፡ ኣደይ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ እንዳ ኣደይ ይሕሸኒ ስለዝበለት፡ ካብ ዝፈትዎም ደቂ ሓዊቦታትይኒ መሳቱተይኒ ተፈሊየ፡ መጀመርያ ስደተይ ካብ ኣጀርበብ ንፈርሐን ኣጋ ዋጋሕታ ተታሓዝናዮ።  ንተራኽበ ብኢድ ጸጋምና ገዲፍና፡ ብናይ እስላም መቃብር ንሩባ አለቀሽ ወሪድና ኣብ ዋዓየንታ ክንበጽሕን ጸሓይ ክትብርቅን ሓደ ኽይኑ። ንፈልጦ መሬት ተቅይሩና እንታይኮን ይረኽበና ይኸውን እንዳበልና፡ ዝዛሪ ማይ ሓባር ረጊጽና፡ ኒበሲግዲና ብሸነኽ የማና ገዲፍና ንፈርሐን ኣቲና። ኩነታት ብጣዕሚ ሕማቅ ስለዝነበረ ተበሪህዎ ዝንቀሳቀስ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።

ኣብ ካልኣይ መዓልትና፡ እስላምናን ክስታናን ብሓባር ኣብ ቤት ክርስትያን ቅዱስ ገርጊስ ተኣኪብና፡፡ በብ እምነቶም ናብ ፈጣሪኦም ዝጽልዩን፡ በቲ ዝነበር ኩነታት ፍርሕን ራዕድን ወሪርዎም ዝበኽዩ ዝነበሩን ሪኢየ። ካብ ምዕዛብ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ኣባ ኢናሲዮ ብወገኖም ነቲ ህዝቢ ብሓብር፡ ኣም ኣምላኽኩም ጸልዩ፡ ኣይትረበሹ ኩሉ ኪሓልፍ’ዩ እንዳ በሉ፡ ሞራላዊ ትብዓት የስንቁ ነይሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ  ናይ ጸላኢ ጠያይት ኣብ በሲግዲራ ዝነበረ ህዝብና ከም ማይ ኣይሂ ክወርዶ ዊዒሉ። ኣጋ ምሸት ምስኮነ፡ ድምጺ ትዂሲ ምስ ሃደአ ካብ በሲግዲራ ዝደሓነት ጎርዞ መንእሰይ መውጋእቲ ከብዳ ብኢዳ ሒዛ፡ ሰውነታ ብሙሉኡ ደም ጨቂዩ ብጓህን ራዕድን ትገብሮ ጠፊእዋ ንህዝብና ብምሉኡ ኣጥፊኦሞ እንዳበለት ንርእሳ ግዒራ ነቲ ኣብ ቤት ክርስትያን ተሸቊሪሩ ዝዋዓለ ኣብኪያቶ። ናታ ቃንዛን ምረትን ፈጺመ ኣይረሳዕኩዎን።

ንምሸቱ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሓሙሽተ ስድራ ብሓባር ካብ ፈርሐን ንከረን ተበጊስና። ምሉእ ለይቲ ክንወድቅን ክንትስእን ብወስበንስረኽ ኣቢልና፡ ንጨበልቁም ረጊጽና ብሓሸላ ከረን ኣቲና። ጉዕዞ ለይቲ ብጣዕሚ ኣድካምን በዳህን’ዩ ነይሩ። ምሉእ መዓልቲ ብፍርህን ራዕዲን ኣብ ቤት ክርስቲያን ተኾርሚና ውዒልናስ ዕርፍትን ድቃስን እንዳደለና፡ ካብ ናይ ኣረመናዊ ግፍዕን ሞትን ንኽንክወል፡ ስድራና ዝረግጽዎ ንኽንስዕብ ተግዲድና። ኩትር ድኻምን ድቃስ ምስኣንን ተሓዋዊሱ፡ ኣማዕዲየ ሓዊ ሃልሃል ዝብል ይረኣየኒ ነይሩ። ነቲ ሓዊ ትርእይዎ ዘሎኹም ኢለ ኣብ ዝሓተሉ እዋን፡ ኣይትጠምቶ ጉዕዞኻ ጥራይ ቀጽል ዝብል መልሲ ይወሃበኑ ነይሩ። ኣብ ገለ ቦታታት ከምዚ ናይ ዝመሽመሸ ስጋ፡ ሕማቅ ጨና ሃንገፍ  ይብለና ነይሩ፥ ከመይ ኣብቲ እዋን’ቲ እንስሳን ሰብን ኣብ ዝኾነ ሽንጭሮታት ዝተሓርዱን ብጠያይት ዝተቄልቡን ብዙሓት ነይሮም።

ብድኻምን ጥመትን ምፍጣርና ጸሊእና ከለና፡ ብንግሁኡ ኣብ ዓባየይ ኣቲና። ገጽና ምስረኣይት ሰንቢዳ ብቲ ኻልእ ሸነኽከኣ ቡኽሪ ጓላ ምስ ደቃ ብሰላም ምምጸኣ፡ ብታሕጓስ ዝኣክል ቀልጢፋ ሻሂ ኣፍሊሓ ምስ ባኒ ቀረበትልና። ብዘይካ ዝሑል ጸባ ዘይንፈልጥ ክሳብ ሻሂ ዝዝሕለልና ነቲ ቀድሚ ሕጂ ዘይረአናዮ ጻዕዳ ባኒ ቆሪስና ኣብ ኣፍና ክንገብርን፡ ጠያይቲ ናይ ጸላኢ ኣብ ዖና ክዘንምን ሓደ ኮይኑ። ራዕዲ ኣብ ርእሲ ራዕዲ ተድሪቡና፡ ኩትር ምድህላል ንገብሮ ሓርቢቱና፡፡ ኣጋጣሚ ዝሃድሙ ምስረኣና ምስኦም ሓቢርና ካብ ዕሸሽ ንሹቅ ገጽና ኪሳብ ኣልባብና ዝትኮስ ጎይና። ብዝሒ ህዝቢ ስለዝነበረ ምስ መን ከምትሃድም ኣይርደኣካን’ዩ። ንኣብነት ኣነን ሓፍተይ ምንኣሸይኒ ካብ ስድራና ተፈሊና ሹቅ ከይበጻሕና ተጣፊእና። ሓፍተይ በየን ከምዝኸደት ከይተረደኣኒ፡ ምስቶም እንዳ ሲዲ ገጾም ዝሃደሙ ጉያይ ቀጸልኩ።

እንዳ ሲዲ ምስተዓቆብና ብዘይካ ቋንቋ ብሊን ክረዳደኣሉ ዝኽእል ስለዘይነበረ፡ ንበይነይ ኪበኪ ጀመርኩ። ኣብ ዘይፈልጦ ከተማ ካብ ሰድራይ ተፈሊየ፡ ልዕሉ ኹሉ ኸኣ ምንኣሸይ በየን ከምዝኸደት ስለዘይፈልጥኩ፡ ብፍርህን ጓህን ተኻኢለ ኪጻወሮ ኣብ ዘይኽእል ድረጃ በጺሐ። ኣብ ምስጊድ ኣቲዮም ዝጽልዩ ዝነበሩ ተሓዊሰ ምስኦም ነቲ ኣብ ማእከል ምስጊድ ዝነበረ/ዘሎ ብጸሊም ዓለባ ዝተሸፈነ እና ዞሩ ኣብ ዝስዕሙሉ ጊዜ እናሰዕምኩ፡ ናብ ረቢ እናጸለዩ ግና ከም ጸማም ተዓኒደ ዝገብሮ ይሕርብተኒ ነይሩ።

እቲ ከም በረድ ዝወርድ ዝወዓለ ጠያይቲ ንዖና ምስ ኣጽነተ ድምጺ ኣጥፊኡ መሬት ሰላም ዝሰፈና መሲላ። ዖና ግን ደም ንጹሃት ደቃ ሰቲያ ከምዘይነበረት ኮይና። ኣብዚ ህሞት’ዚ ድኻምን ጥመትን በብእብረ ክጻወሮ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ ኣብጸሓኒ። ልዕሊ ኹሉ ኣደይ ምስኣ ዝነበሩ ኣሕዋተይኒ ከምኡ ድማ እታ ካብይ ዝተሰወረት ሓፍተይኒ እንዳዘከርኩ ኩትር ጭንቀት ዓቅሚ ምብካይ ኮይነ። እንዳ ሲዲ ነቲ ተዓቊቡ ዝነበረ ህዝቢ ብዓበይቲ ድስትታት ሩዝ ኣብሲሎም ብኩባያ ሻሂ ዓቂኖም ዓዲሎምና። ከም ሰበይ ንዐአን ምስለኸፍኩ ከምዚ ካብ ድቃስ ጸጊቡ ዝተንሰአ ሰብ ምስተበራበርኩ፡ ጸሓይ ዕራርቦ ንበይነይ ንዕሸሽ ገጸይ ተበገስኩ። ፍርሕን ራዕድን ዘተሓወሶ ኣካይዳ ሰለዝነበረ ህርመት ልበይ ክውስኽ ጀመረ። ዓጣል ዝሕረዳሉ ቦታ ሕልፍ ምስ በልኩ፡ ኣደይ ምስ ዓባየይኒ ኣኮይኒ ተጋኒፎምኒ። ኣደይ ክልት ደቃ ስልዝጠፍኡዋ ምሉእ መዓልቲ ብጓህን ሓዘንን ገጻ ቀምሲሉን ተደዊኑን ዘይንሳ ክትመስል ጸኒሓትኒ።  ዓይኒ ድራረይ መጺእኻዶ ኢላ ክትሓቅፈንን ገጸይ ብንብዓት ክሕጸብን ሓደ ኮይኑ።

ድሕሪ ናይ ክሊኢታት ኡፈይታ ኩነታት ሓፍትኻኸ ኣላ ምስ ሓተተትኒ እንድዒ እለ መለስኩላ። ምኽኒያቱ ምስቲ ዝዋዕለ ዕግርግር ካባይ መዓስ ከምእተሰወረት ኣይዝከረንን። ከም ወላዲት መጠን ልባ ኣይቀሰነን። ዝግበር ሰለዘይነበረ ንብዓታ ደሪዛ ኦጎይታይ ነዛ ጓለይ ከምዚ ሓዋ ኣብ ሑቅፈይ ክተምጸኣለይ እልምነካ ኣሎኹ ኢላ ነፍሳ ክተጸናንዕ ጀመረት። ንኣኮይ ኸኣ ኪድ ንሹቅ ገጽካ ኣምላኽ እንተበለ ከም ሓዋ ኣብ መንገዲ ጎፍ ትብለካ ወይ ምስ ወዲ ሓላል ትጸንሓካ ትኸውን ኢላቶ። ኣደይ ምስ ዓባየይ ንዓይ ሒዘን ንገዛ ተመልሳ። ከም ደቂ ዛግራ ካብ ንግሁኡ ተበታቲና ዝወዓልና ንምሸቱ ክንተኣኻኸብ እንተጀመርና እውን ናይ ምንኣሸይ ኩነታት ስለዝሓርብተና ምስ ጸሓይ ዓራርቦ ተስፋ ቅብጸት ከሕምቀና ጀሚሩ። ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ምጽባይ ኣኮይ ነታ ከም ቀንደል ገዛ ንጽበያ ዝነበርና ሓፍትና ሒዙ ምስ መጸ ብታሕጓስ ነቲ ብጽምዋ ተዋሒጡ ዝጸነሐ ገዛ ዓባየይ ህይወት መሊሱ።

ከምትምኒት ወላዲተይ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ምስቲ ሕማቅ ኩነታት ዝዋዓለ ብምዕዛብ፡ በይና ከምዘላ ስለዘስተውዓለ መሬት ኪሳብ ዝረግእ ኣብ ገዙኡ ወሲዱ ሓዲሽ ኪዳን ኸዲኑ ከም ጓሉ ክእብዳን ከኣልያን ውዒሉ። ድሕሪ ናይ ምሸት ሰላት ኣብ ምስግድ ሰገዱ፡ ዝፈልጥዋ ይረክብ ይኸውን ብምባል ቢኢዱ ሒዙ ኣብ ሹቅ ኪዛወር ከሎ በጋጣሚ ምስ ኣኮይ ተራኺቦም። ከም ቆልዓ ሕድሪ አዕቊቡዋ ዝዋዓለ ሰብኣይ ንኣኮይ ኣረኪቡዋ። በብወገኖም ኩነታቶም ድሕሪ ምግላጽ ንፈጣሪኦም እንዳኣመስገኑ ተፈላሊዮም።

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ካብ ባሕሪስ ጭልፋ ከምዝበሃል፡ ኣብ ጊዜ ንእስነተይ ዝረአኹዎ ንመዘኻኸሪ ኪኸውን ስለዝደለኹ እምበር፡ ዛንታ በሲክዲራን ዖናን ካባይ ንለዓሊ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ከዘንትዉ ኸለዉ ክሳብ ኪንደይ ኣስቃቅን ክትኣምኖ ዘጸግምን ከምዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዮም። ንምታይ ደኣ ኣብ ሰብዓታት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣብ ዝኸድናዮ ዝስዕበና? እወ ናይ በሓቂ ኣብ ዝኸድናዮ ከም በዓል ቃል ኪዳና ክንርስዖ ወይ ገዲፍናዮ ኪንኸይድ ኣይኸኣልናን። ሓሓንሳብ ኣውያቶምን ምጽናቶምን ከምዚ ሎሚ ዝተፈጸመ ኮይኑ ይረኣየካ። ህዝብና ዘሕለፎ ክርፋሕ ናብራ ይኹን ሰላምን ቅሳንነትን ዝጎደሎ ዘመና ዝምልከት ክንጽሕፍን ክንዛረብን እዋናዊ ግዴታናን መድረኽ ዝጠልቦን ኮይኑ ይርከብ። ጊዜ ሓንሳብ ምስ ተዓዝረ ኣይምለስን።  ዕድመና’ውን ከም ቶንኮባ ተጠቅሊሉ ብዘይ ቁምነገር ምስ ዝሓልፍ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ምምላስን፡ ታሪኽ ኣልቦ ኮንካ ምትራፍን የስዕብ። ጉዳይና ካልኦት ኪወራዘዩሉ ዘይኮነስ ዋናታቱ በዓልና ኣሎና። መሬት ክትወግሕ ምዃና ስለነኣምን ትምኒትናን ራኢይናን መኣዝኖም ክስሕቱ የብሎምን። ሎሚ ካብዘለናዮ ኣማዕዲና ንጥምት ኣሎና፡ ጽባሕ ኑግሆ ግን ኣብ ሃገርና ክንምለስ ስለዝኾና ብሽም በሲግዲራን ዖናን ዩኒቨርስቲ እንተንሰርሓሎም ኪንደይ ምጸበቀ። ኣብ ዞባና ንዘለዓለም እንዳተዘከሩ ክነብሩ እንዲሕሪ ኮይኖም፡ ኣብ ደቅና ንዘንተ ዕለት ዘይሃስስ ሓቀኛ ታሪኽ ክነውርሶም ግቡእና ኮይኑ ይስመዓኒ። ብሓባር ምስ ትንቀሳቀስ ኸኣ ዘይከኣል ነገር የሎን።

ሰማእታት በሲግዲራን ዖናን ወትሩ ኣብ ልብናን ይንበሩ። ንኣና ኸኣ ካብዚ ዘለናዮ ናይ ጥውይዋይ ዘመን ሰጊርና ኣብ ሃገርና ሓቂ ነዘንትወሉ እዋን የሃበና።

 

December 26, 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10552

Posted by on Jan 2 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net