ኣገዳሲ ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

ዕዙዝ ሕውነታውን ገድላውን ሰላምታና ብድሕሪ  ምቕዳም፡

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ መድረኽ ቃልስን ኣገጣጥምኡን ብዝምልከት ንዓሚቕ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣዳልዩ ምህላዉ ይሕብር።

እዚ ብኣቦ መንበር ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ተጋ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ዝምራሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብዙሕ እዋናዊ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጉዳያትን ነጥብታትን ዝድህስስ መድረኽ ኮይኑ፡ ህዝቢ ንፖሎቲካዊ ልዕላውነት መሰላቱን ሓርነቱን ይለዓል-ይወደብ-ይዕጠቕ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ቅኑዕ ኣንፈትን መንፈስን ሓድነት ብምኽታል፡ ቃልስና ብቀዳምነት ጸረ ሓባራዊ ጸላኢ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕናዕ ምዃኑ ይሕብር። 

ኩልኹም ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ንምርግጋጽ ኣብ ዘይሕለል ቃልሲ ትርከቡን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ተቐማጦ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ኣብዚ ኣገዳሲ መድረኽ ተኻፈልቲ ክትኾኑ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብክብሪ ይዕድም።

 

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ Hampton Inn Hotel, 501 York Avenue North East Washington Dc

ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት 15 ጥቕምቲ 2016

ኣኼባ ዝጅምረሉ እዋን ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ

መተሓሳሳቢ

ኣብ እዋኑ ጀሚርና ብኣግኡ መታን ክንውድእን ግዜና ብኣገባብ መታን ክንጥቐምን ኣብቲ ተወሲኑ ዘሎ ሰዓት ክትርኸቡ ንምሕጸን።

ብደሓን ምጹ

ኣዳላዊ ሽማግለ

08 ጥቕምቲ 2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10489

Posted by on Oct 9 2016 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net